2011-01-22 14:51:45

ኤውሮጳ ምእንቲ ዝስደዱ ክርስትያን ምእመናን


ካብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስያን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ጸሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ መታን ክውገድ ኣዝቢ ጻዕሪ ኤውሮጳ ቀንደይና ተዋሳኢት ኮይና ክትርከብ ዝሓትት ሰነድ ናብ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ተረይና ኣቦ ወንበር ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንሥቲ ቪክቶር ኦርባን ከምዘተመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። RealAudioMP3

ናይ መላእ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድርገት ሊቀ መንበር ኣብ ሃንጋሪ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ነቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፕሮተስታንትን ናይ ኦርቶዶክስን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ መሪሖም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ኣብ ልዕሊ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ዝወርድን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስደትን መከራን ዓመጽን ክውገድ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ኤውሮጳ ቀዳመይ ተዋሳኢት ክትኸውን ዝሓትት ሰነድ ከምዘቕረቡ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግሥቲ ኦርባን ነቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ተቐቢሎም ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሕዝቢ ድምጺ ምዃነን ሓቢሮም፣ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያንን ኅብረት ኤውሮጳን ዘሎ ርክብ ክጸንዕ ክዓዩ ምዃኖም ድማ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘነቓቕሕ ክረጋገጽን ዝዓይኒ 47 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቁፍ ዓለም ዓቆፍ ናይ መላእ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣብዚ እዋን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ መሠረት ገይሩ ኣብ ኩለን ሃገራት ናይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ምእመን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ዝብል ናይ ሓባር ውሳኔ ከምዘጽደቀ እንክንገር፣ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ዓመጽን ጽልእን ንኽውገድ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ሃይማኖትካ ናይ ምንባር ነጻነት ብማንም ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ፈጺሙ ዘይገሃስን ዘይፍገፍን መሰልን ፍቓድን ምዃኑ ኣብቲ ናይ ምላእ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ። ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ምዃኑ እቲ ሰነድ ይመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.