Home Archivio
2011-01-22 14:51:45
ኤውሮጳ ምእንቲ ዝስደዱ ክርስትያን ምእመናን
ካብ ናይ ኤውሮጳ ናይ ኩለን ኣቢያተ ክርስያን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ እቲ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ጸሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ መታን ክውገድ ኣዝቢ ጻዕሪ ኤውሮጳ ቀንደይና ተዋሳኢት ኮይና ክትርከብ ዝሓትት ሰነድ ናብ ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ተረይና ኣቦ ወንበር ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንሥቲ ቪክቶር ኦርባን ከምዘተመሓላለፉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይ መላእ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድርገት ሊቀ መንበር ኣብ ሃንጋሪ ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ነቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ፕሮተስታንትን ናይ ኦርቶዶክስን ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሃይማኖት መራሕቲ መሪሖም ነቲ ኣብ መላእ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበርን ኣብ ልዕሊ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ዝወርድን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ስደትን መከራን ዓመጽን ክውገድ ኣብ ዝገበር ጻዕሪ ኤውሮጳ ቀዳመይ ተዋሳኢት ክትኸውን ዝሓትት ሰነድ ከምዘቕረቡ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግሥቲ ኦርባን ነቶም ናይ ሃይማኖት መራሕቲ ተቐቢሎም ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሕዝቢ ድምጺ ምዃነን ሓቢሮም፣ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያንን ኅብረት ኤውሮጳን ዘሎ ርክብ ክጸንዕ ክዓዩ ምዃኖም ድማ ከምዘመልከቱ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘነቓቕሕ ክረጋገጽን ዝዓይኒ 47 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቁፍ ዓለም ዓቆፍ ናይ መላእ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ኣብዚ እዋን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ መሠረት ገይሩ ኣብ ኩለን ሃገራት ናይ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ምእመን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ዝብል ናይ ሓባር ውሳኔ ከምዘጽደቀ እንክንገር፣ ኣብ ዓለም እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ሃይማኖታዊ ዓመጽን ጽልእን ንኽውገድ ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ሃይማኖትካ ናይ ምንባር ነጻነት ብማንም ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ፈጺሙ ዘይገሃስን ዘይፍገፍን መሰልን ፍቓድን ምዃኑ ኣብቲ ናይ ምላእ ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ሰነድ ተመልኪቱ ኣሎ። ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ሰላምን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ምዃኑ እቲ ሰነድ ይመልክት።
All the contents on this site are copyrighted ©.