2011-01-22 14:49:33

ናይ እምነት እግዚኣብሔርን ናይ ተፈላሰፍቲ እግዚኣብሔርን


ሮማ ኣብ ዝርከብ ላተራነንሰ ሓዋርያዊ ሕንጻ ንሰለስተ መዓልቲ ዝቕጽል ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣስተምህሮታት ዘማእከለ ናይ ሮማ ሰበኻ ናይ መናብርተ ጥበብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዕለት 12 መስከረም 2006 ዓ.ም. ኣብ ራቲስቦና ዘቕረብዎ ቲዮልጊያውን ፍልስፍናውን RealAudioMP3 መሠረት ዝገበረ መልእኽቶም ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መልእኽታትን ኣስተምህሮታትን ስብከታትን ናይ ዘመንና ኣመለኻኽታ ክሕደስን ብፍላይ ድማ ካብ ኣስተንትኖን ኣዕሚዩቕካ ካብ ምሕሳብ ዝምንጭ ብዛዕባ ሰብ ካብ ምዝራብ ዘየቋርጽ ምዃኑ ብዛዕባ እዚ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሎ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ራቲስቦና ኣስተምህሮኦም፣ ስነ ምርምርን ርትዓዊ ኣገባብን ብምኮራ ኣብ ዝረጋገጽ ተግባር ጥራሕ ምውሳን ንገዛእ ርእሱ ኣዕምሮ ሰብ ምውሳን ማለት ኢዩ። ስለዚህ እምነትን ምርምርን ዝራኸቡ ከምዝኾኑን ዝማላልኡን እምበር ዝነጻጸሉ ከምዘይኮኑ ዘነጸረ ኢዩ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣስተምህሮ ራቲስቦና ስነ ምርምር ማለት ኣእምሮ ሰብ ንእምነትን ፍቕርን ዝተኸፈተ ክኸውን ዘተባብዕን እዚ ድማ ናይ ኣእምሮና ፈቓድ ምዃኑ ዘመልክትን ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍ ኣእምሮ ኮነ ሥነ ፍልጠት እቲ ፍልጠት ንወዲሰብ ኮነ ንስልጣኔ እውን ብሳል ኣይገብርን ኣየማዕብልን፣ እዚ መሠረታዊ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ብዙሓት ከይቅበለዎ ይኽእሉ ኢዮም እንተኾነ ግን ኣብ ገዛእ ርእሱ ተዓጽዩ ዝተርፍ ደረት ሰገር ዘይጥምት ኣእምሮ ጎዶሎን ኢዩ ቢሎም።
ሮማ ኣብ ዝርከብ ላ ሳፒየንሳ መንበረ ጥበብ ናይ ኣኃዛዊ ሥነ ፍልጠት ታሪኽ መምህር ናይ ኣኃዛዊ ሥነ ፍልጠት ሊቀ ጆርጆ ኢስራኤል ብዛዕባ እቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ መንጎ ሥነ ምርምርን/ኣዕምሮን እምነትን ዝገበር ዘተ እዚ ክልተ ናይ ፍልጠት ደረጃ ዘደናግርን ዝሓዋውስን ዘይኮነስ ዘቀራርብን ተደጋጊፎም ከምዝኸዱ ዝሕብርን ብኽልቲኡ መዳይ ዝቐርብ ሓቂ ብጸቕጥን ብኃይልን ብሥነ ፍልጠታዊ ዓመጽ በስገዳድ ኽቐርብ የብሉን፣ ሓቂ ብስገዳድ ዝብል እምነት ኮነ ፍልጠት ኣኽራርነት ኢዩ ዝኸውን፣ ስለዚህ ኣቲ ኣብ መንጎ ሥነ ፍልጠትን/ሥነ ምርምርን እምነትን ዝገበር ዘተ እወታዊ ኣገባብ ዝኽተል ክኸውን ኣለዎ።
ሥነ ምርምር ንበይኑ ምልኣት የብሉን፣ ንዅሉ ሰብኣዊ ሕቶታት፣ ናይ ሕይወት ትርጉም ሕይወት ካበይ ናበይ ንዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ብምልኣት ዝምልስ ኣይኮነን እዚ ማለት ድማ ኣይጠቅምን ኢዩ ማለት ዘይኮነስ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ ሥነ ምርምር ባይታ ኣለዎ፣ ስለዚህ እዚ ደረት ሥነ ምርምር ኣዕምሮ ንእምነት ክፉት ዝገብሮ ዕቁር ኃይሊ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.