2011-01-20 13:13:55

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ፦ ንመጻእያን ሓዋርያዊ ወከልቲ ውልቃዊ ውጥን ሓዲግኩም ንኽርስቶስ ስዓቡ



 


ቅድሚ ትማሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ አንጦኒዮስ ኣባተ ሓላዊ ቅዱስ ናይ ጳጳሳዊ ሥነ ቤተ ክርስትያን ተቛም ምኽንያት ቀዳማይ ጸሎተ ሠርክ መሪሖም ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተምህሮ፣ ነቶም ናይ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት መጻእያን ሓዋርያዊ ወኪላትን ኣብ ናይ ሓዋርያዊ ወኪላት ቤት ጽሕፈት ተመዲቦም ንኵላዊት ቤተ ክርስትያንን ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣገልገልቲ ውልቃዊ እማመዅም ሓዲግኩም RealAudioMP3 ንኽርስቶስ ሰዓቡ። እትህብዎ ኣገልግሎት ኣብ ክርስቶስ ምስዓብ ዝጸነዔ ጸዋዕታ ክኸውን ኣለዉ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል፣ ብሩህን ኣርሒቝ ዝጥምትን ዝሓስብን፣ ብትኽክለይናን ዓሚዩቕን ርእየት ቤተ ክርስትያን እዚ ድማ ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ዓለም ጭቡጥ ኵነት እናነበረት ዓለም ናብ ምልኣተ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከቕንዕን ዘኽእሎ መገዲ ከለልዩ ዝድግፉ ብቑዕ ተሓባባርቲ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኢዩ ቢሎም፣ እቶም ኣብዚ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ቤተ ክርስትያን ተቛም ኣብ ዘቕርቦ መደብ ሕንጸት ዝሳተፉ ብቑዕ ሕንጸት ክረኽቡን ኣብ ዝረኽብዎ ሕንጸት ንቑሓት ኮይኖም ክርከቡን ገዛእ ርእሶም ንውልቃዊ ውዳሰን ዝና ኽብሪን ዘይኮነስ ነቲ ንዓይ ክስዕበኒ ዝደሊ ገዛእ ርእሱ ክሒዱ ኵሉ ገዲፉ መስቀሉ ተሰኪሙ ይስዓበኒ ዝበለ ክርስቶስ ዝኽተሉ ምዃኖም ፈጺሞም ከይስሕትዎ ኣተሓሳሲቦም፣ ንኽርስቶስ ዝስዕብ ሕቡእ ግላዊ ጥቕሚ ንምርግጋጽ ዝሓልም ክኸውን የብሉን። ስለዚህ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብውህደት ምስ መርሕነት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ንክርስቶስን ኣብ ምግልጋል ዝጽዋዕ ኢዩ።

ነቶም ናይዚ ጳጳሳዊ ናይ ሥነ ቤተ ክርስትያን መንበረ ጥበብ ተመሃሮ ካህናት ኣብ ናይ ሓዋርያዊ ልኡኽነት ዝወሃቦም ሓላፍነት ናይ ግሎም ሓሳብን ድላይን ዘይኮነ ናይ ቤተ ክርስትያን ኣመለኻኽታን ሓሳብን ኣሚኖምሉ ዘቃልሑ ክኾኑ ኣለዎም። ናይ ቤተ ክርስትያን ሓሳብ ዘይሓስብ ሓዋርያዊ ልኡኽ ክኸውን ዘይሕሰብ ኢዩ። ምእንቲ’ዚ ኣባላት ናይታ ኣብ ትሕቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እትምራሕ ኵላዊት ቤት ክርስትያነ ክርስቶስ ምዃኖም ተኣሚኖም ልኡኽ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ማለት ናይታ ናይ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያን ልኡኽ ማለት ኢዩ። ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተነጸለ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ልኡኽ የለን፣ ኣብ ኣገልግሎት ሓዋርያዊ ልኡኽነት ቅኑዓትን ናይተን ኣገልግሎት ዝፍጽሙለን ሃገራትን ሕዝብን ቤተ ክርስትያንን ሕይወት ተኻፈልትን ኣብቲ ኣገልግሎት ዝፍጽምሉ ሃገር ንእትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣማኸርቲ ክኾኑ ዝተጸውዑን እዚ ድማ ሓዋርያዊ ልኡኽነት ዝጠልቦ ጠባይ ኢዩ ስለዚ ክነብርዎ ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ዕለታዊ ኣግልግሎቶም ብጸሎት ዘበግሱን ብጸሎት ዝነብሩን ነታ ኣብቲ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ልኡኽነት ዝፍጽሙላ ሃገር እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቀረባ ኮይኖም ምስኣ ክጽልዩን ብሓሳብ ኵላዊት ቤተ ርክስትያንን መራሒኣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ክመኽሩን ከተባብዑን ኣተሓሳሲቦም፣ ናይ ክርስቶስ ሰዓብትን ደቀ መዝሙርን ኣገልገልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምዃን ዓብይ ሓጎስን ዓቢይ ሓላፍነትን ኢዩ። እቲ ሓጎስ እታ ጀልባ ቅዱስ ጴጥሮስ ሽሕ’ኳ ማዕበልን ብርቱዕ ነፋስን እንተጋጠማ ጉዕዞኣ ኣቕኒዓ ኣብቲ ናይ ዓለም ታሪኽ ማዕበልን ብርቱዕ ነፋስ ጸጥ ዘብል ተሰሪታ ኣትውንጨፍ ምዃና ካብ ዘሎ እምነት ዝምንጭ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.