2011-01-20 13:16:33

ሰነጋል፣ ንኣፍርቃ ተስፋ ምርግጋጽ


ናይቲ ካብ ዕለት 4 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 24 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ካልኣይ ሲንዶስ ኣፍሪቃ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምቅላሕ ንናይ ኣፍሪቃ ኅያው ተስፋን ምዕባለነ ንኣፍሪቃ ተስፋ ንምሃብን ተስፋ ኣብ ኣፍሪቃ ክነቓቓሕን ኣሚቱ ክሳብ ዕለት 23 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ዝቕጽል ዓለም ሓቆፍ RealAudioMP3 ማኅበር ናይ ካቶሊክ ተግባር ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ዕለት 19 ጥሪ 2010 ዓ.ም. ኣብ ሰነጋል ርእሰ ከተማ ዳካር ከምእተጀመረ ናይ ለ አጀንስ ደ ፕረስ ሰነጋሊሰ እተሰምያ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዳብሊው ዳብሊው ኤይፒኤስ ነጥቢ ኤስኤን ኣብ ዝብል መርበብ ሓበረታኡ ካብ ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
እዚ ሕይወትን፣ ዕለታዊ መግብን ሰላምን ናጽነትን ንምዕባለን ሰላምን ዕርቅን ኣፍሪቃ ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ወኪላትን ናይ ብሩንድን ኮንጎን ካሜሩንን ካብ ኢጣሊያን ስፐይንን ሮማኒያን ዝተዋጽኡ ልኡኻት እውን ይሳተፉ ከምዘለዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ዳግመ ኣስፈሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ መደብ ኣስተንትኖን ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዕዮኣዊ ኣኼባታት እውን ከምዝካየድ እንክንገር፣ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓለማውያን ምእመናን ንምድሪ ጨው ንዓለም ድማ ብርሃን ክኾኑን ኣብ ኣፍሪቃ ሰላምን ዕርቅን ዘነቓቕሑ ሓቀይና ሰላማውያንን ዕርቂ ዝነብሩን ዝምስክሩን ክኾኑ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለም ጸዋዓታኦም ከለልዩ ዝሕግዝን ዘተሓሳስብን ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር ናይ ካቶሊክ ተግባር ኣብ 1987 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ጸዋዕታን ተልእኾ ዓለማውያን ምእመናን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤት ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝረክብ ማኅበር ካቶሊክ ተግባር ዝተዋጽኡ ልኡኻት ኣብ ሮማ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ሓባር ኣኼባ ዝተመሥረተ ከምዝኾነ ዝዝከር ኢዩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.