2011-01-18 14:41:19

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ካህን ናይ ክርስቶስ ሓቂ ዘፍቅር


ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ምሥረታ ጳጳሳዊ ናይ ፖላንድ ቤተ ክርስትያናዊ ተቛም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ንጎሆ ናይቲ ተቛም ኣመሓደርትን ተመሃሮን ተቐቢሎም፣ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቤተ ክርስትያን ብኽርስቶስ ዝተውሃበ ሓቂ ዘፍቅርን ግቡእ ምስንዳው ዝገበረን ንሓዋርያዊ መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ እሙን ዝኾነ ካህን የድልያ ቢሎም፣ ክርስቶስ ዝመስል ኣብ ምምሳል ክርስቶስ ዝተግህ ግቡእ ዓሚዩቕ ሕንጸትን ምስንዳውን ዝተቐበለ ትጉህ ካህን የድሊ፣ RealAudioMP3 እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ካህን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ምሥረታ ዝቖመ ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጽኑዕ ውህደት ዘለዎ ምስ ዝኸውን ጸዋዕታኡ ውሑስ ከምዝኾነው ዝተረጋገጸ ምዃኑ ሓቢሮም፣ እዚ ጳጳሳዊ ናይ ፖላንድ ቤተ ክርስትያን ተቛም ብዝብል ስም ዝፍለጥ ዘርኣ ክህነት፣ ካብ ዝምሥረት ኣትሒዙ ብዙሓት ካህናትን ብዙሓት ብፁዓንን ቅዱሳትን ዘፍረየ እውን ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዙሪያ ቤተ ክርስትያንን ዓለምን ዓቢይ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ጸዋዕታ ክህነትን ሕይወት ካህናትን ምዃኑ ኣብ ዝንገረሉ ዘሎ እዋን ቅዱስነቶም ነዚ ከይሰሓቱ ካህን ክርስቶስ ኣብ ምምሳል ዝተግህ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቫቲካን ሓዋርያዊ ሕንጻ ቅዱስ ቀለመንጦስ ነቶም ናይ ፖላንድ ውሉደ ክህነትን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ቀጺሎም፣ ቤተ ክርስትያን ብጥበብ ሃብታማት ብቑዕ ባህላውን መፍነሳውን ምስንዳው ዝገበሩን፣ ምስ ክርስቶስ ጽኑዕ ዕርከት ዘለዎም ቃል እግዚኣብሔርን ቅዱስ ቁርባንን ወትሩ ዝምገቡ፣ በዚ ክለኣዊ መኣዲ ሕይወቶምን ጸዋዕታኦምን ዘጽንዕ ኃይሊ እናረኸቡ ኣፍቀርቲ ሓቅን ነዚ ሓቂ ብጸሎትን ማዕረ ማዕረ ድማ ብሥነ ጥበብን ምርምርን እናዕሞቑ ገዛእ ርእሶም ሓቂ እናመገቡ ንኻልኦት እዚ ሓቂ ዘካፍሉ ካህናት የድልይዋ።

ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጽኑዕ ምትእስሳር ዘለዎን ኣብ ልቢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘሎ ኅብረ ዘመናት ዝሓለፎ ፍርያማ ታሪኽ ምድሓን ኣምላኽ ዝነብርን በዚ መሠረት’ዚ ድማ ነዚ ሓቂ’ዚ ነኸበሥር ዝተጸውዔን ኣብዚ ተልእኾ ነቒሑ ከምቲ ደስ ዝብልን ዘዕግብን ፍረ ዝህብ ኦም ዝድነቕ ሰነይ ፍረ ዝህብ ክኸውን ዝተጸውዔ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ ዘረባኦም ኣቲ ናይ ፖላንድ ጳጳሳዊ ናይ ቤተ ክርስትያን ተቛም ኣብ 1910 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሰባስቲያን ፐልክዛር ዝተመሥረተን ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. ፒዮስ ዓሥራይ ተቐባልነቱ ኣጽዲቆም ኣብ ምስንዳው ካህናት ፖላንድ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረን ዘኪሮም፣ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይን ብፍላይ ድማ ዕለት ሓደ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ብፅዕና ዝእወጀሎም ር.ሊ.ጳ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ተቛም ዘረኣይዎ ሓልዮት ናይ ቀረባ ታሪኽ ጠቒሶም፣ ብሓቂ ክህነት ሙያ ዘይኮነስ ጸዋዕታን ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎት ምዃኑን ነዚ ጸዋዕታ’ዚ ብቑዕ ዝገብር እግዚኣብሔርን ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝፍጸም ሥነ ባህላዊ ቅድመ ምስንዳው እውን ክዝንጋዕ የብሉን ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.