2011-01-15 14:16:24

ዴንማርክ፣ ኣሸባርነትን ጸረ ክርስትና ሃይማኖት ኣብ ዒራቕ


ናይ ዒራቅ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መራሕቲ ኣብ ዴንማርክ ርእሰ ከተማ ኮፐንሃገን ኣሸባርነትን ጸረ ክርስትያን ሃይማኖት ኣብ ዒራቕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብናይታ ሃገር መንግሥትን ኣብ ማእከላይ ምሥራቕ ዕርቅን ሰላምን ዘነቓቕሕ ዘይመንግሥታዊ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ረድኤት ማኅበር ብሓባር ዝተጠልበ ዓወደ መጽናዕቲ ከምእተኻየደ RealAudioMP3 እንክንገር፣ ኣብ ባግዳድ ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ሓዋርያዊ ኣመሓዳሪ ቐሺ ኣንድረው ዋይት ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስሞዎ ዘረባ፣ እቲ ቀንደይና ጸረ ሰላም ጸላኢ ሕዝቢ፣ ኣሸባርነት እምበር ሃይማኖት ምስልምና ኣይኮነን። ናይ ዒራቕ ብዙሃን ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ጸረ ክርስትያን ጎስጓስ ዘነቓቕሑ ዘይኮኑስ፣ ፈተውቲ ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ ኢዮም ማኅበረ ክርስትያን ዒራቅ ተነጺሉ ዝነበር ዘይኮነስ ምስ ኣሕዋቱ ደቂ ሃገር ናይ እስላም ሃይማኖት ስዓብቲ ብሓባር ዝነበር ክፍሊ ኅብረተሰብ ኢዩ፣ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዒራቕ ናይ ሺዓውያን ላዕለዎይ መንፈሳዊ መራሒ ኣብዱልሃሊም ኣል ዙባይሪ ናይ ሱኒት ሃይማኖት ምስልምና ሸኽ ናይ ዒራቕ መርሔ መንግሥቲ ኣማኻሪ ኣብዱል ላቲፍ ሁማምየምን ኣብ ዒራቕ ናይ ኣሲሪያ ዴሞክራሲያዊ ምንቕስቓስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ዮናዳን ካናን ኣብ ዒራቕ ናይ ኣርመናዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ሊቀ ጳጳስ ኣቫክ ኣሳዱሪያን ከምእተሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ዒራቕ ቅድሚ ምስልምና ሃይማኖት ሰዓብቲ ማኅበረ ክርስትያን ዝነበረላ ሃገር ከምዝኾነት ክብሩ ቀሺ ዋይቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ጠቒሶም፣ ኣብ ዒራቕ ኅላዌ ማኅበረ ክርስትያን ምሕካኽ ማለት መበቆላውን መሠረታውን ባህሊ ዒራቕን ዒራቓውነትን ካብ ሥሩ ምሒኻ ምጥፋእ ማለት ከምዝኾነ እንከመልክቱ፣ ናይ ዴንማርክ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር ለነ ኤስፐርሰን ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ ዒራቅ ርእሰ ከተማ ባግዳድ ኣብ እትሪከብ ናይ ሶሪያ ሥርዓት እትኽተል ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ዕለት 31 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ኢራቕ ናይ ኣልቃይዳ ጨንፈር ተሓታትነቱ ዘፍለጠሉ ዝወረደ ናይ ሽበራ መጥቓዕቲ ዘኪሮም ኣብ ኢራቕ ናይ ኵለን ሃይማኖታት መንፈሳውያን መራሕቲ ዓመጽን ስደትን ዘነቓቕሕ መገዲ ፍትሓውነት ዘይብሉ ጸረ ሰላም ምዃኑ እናተሓሳሰቡ ምእንቲ ዕርቅን ሰላምን ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ክተግሁን ብሓባር ኣሸባርነት ክቃወሙ ሓደራ ከምዝበሉ ሎሶርቫቶረ ሮማ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.