2011-01-15 14:14:40

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሥድራ ቤት፣ ሕይወትን ዕዮን


ናይ ላዚዮ ክፍለ ሃገር ኣመሓዳሪት ረናታ ፖልቨሪኒን ናይ ሮማ ከተማ ከንቲባ ጃኒ ኣሌማኖን ናይ ኣውራጃ ሮማ ሊቀ መንበር ኒኮላ ዚንጋረቲን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ኣመሓዳርን ከንቲባን ቤት ጽሕፈት ኣውራጃን ትማሊ ኣብ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምእተራኸቡ እንክንገር፣ ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ኣውራጃን ከተማ ሮማን ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮን ኣባላት ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ንሥድራ ቤት ዝምልከት ፖሊቲካ ነቶም ንሥድራ RealAudioMP3 ኣባይቲ ዘጋጥሙ ዝረኣዩ ሽግራት ጊዚያዊ መፍትሒ ንምቕራብ ተባሂሉ እንተድኣ ዝሕንጸጽ ኮይኑ፣ ንርሑቕ ዝጥምት ስለ ዘይኮነ መሠረቱ ድኹም ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ ንናይ ሥድራ ቤት ደገፍን ምዕባለን ዝኣመተ መደብ ፖሊቲካ ብናይ ሕንጸት መደብ ዝተሰነየ ክኸውን ከምዘለዎ እንከተሓሳስቡ፣ ሥድራ ቤት፣ ውላድ እቲ ሓናጽን ሰላማውን ናይ ሓባር ናብራ ዘጽንዕ ናይ ሰብኣውን ክርስትያናውን ክቡራት ዋጋታት ዝቐስመሉን፣ ምትሕብባርን ልውህናን ልግስናን መሠረታውያን ሕግታት ምኽባርን ይቕረ ምባልን፣ ካልእ ተቐቢልካ ምእንጋድ ዝብሉ ናይ ሕይወት ክቡራት ዋጋታት ዝመሃረሉን፣ ፍቕሪ ወለዲ ዘስተማቐረሉን ተፈቒሩ ሓቀይና ፍቕሪ ዝርድኣሉን ትርጉም ፍቕር ኣለልዩን ምፍቃር ዝመሃረሉ ናይ ሕይወት ቅዱስ ሥፍራ ኢዩ ኢሎም።

ሰብኣዊ ፍቕሪ ናይ ሃልኪ ባህሊ ነገር ክሳብ ምዃን ክብሩ ክሓስር የብሉን። እታይ ደኣ ናይ ሕይወት ሓቀይና ትርጉሙ ዝገልጽን ናይ ኅልውና ፍጻሜ ኢዩ። ስለዚህ እዚ ሓቅይና ትርጉም ፍቕሪ መሠረታዊ ልምዲ ምዃኑ ርድኢት ክግበረሉን፣ ክንበርን ኣለዎ ኢሎም፣ ሥድራ ቤት ቤት ሓቀይና ፍቕሪን ሓቀይና ፍቕሪ ዝነበረሉን ቅዱስ ሥፍራ ካብ ኮነ፣ ደቀ ንስትዮ ምስ ናይ ኣደነትን ወላድነትን ባህሪኤን ዝሰማማዕ ዕዮን ከምኡ እውን ዝዋፈራሉ ዕዮ ነቲ ኣደነትን ወላድነት ባህሪኤን ዘኽብርን ዘተባብዕን ክኸውን ይግባእ፣ ናይ ደቀ ንስትዮ ኣደነትን ወላድነት ባህርይ ብጭቡጥ መገዲ ምድጋፍን ምትብባዕ የድሊ። ብዙሕ ጊዜ ናይ ሥራሕ ዓለም ነዚ መለለዪ ደቀ ንስትዮ ጽን ዘይብል ብምዃኑ፣ ደቀ ንስትዮ ኣደነትን ወላድነት ባህርይኤን ኪሒደን ክነብራ ክግደዳ ይረኤያ፣ መንግሥታትን ቤት ምኽርታትን ኣውራጃታትን ናይ ሥድራ ቤት ፖለቲካ ነዚ ባህርይ ደቀ ንስትዮ ዘተባብዕን ዘኽብርን ንሕፃናት ዝሓልን ቤት ትምህርቲ ሕፃናት፣ ማለት መዋዕለ ሕፃናት ክሰፍሕን፣ ዝውለድ ሕፃን ከም ጸጋን ምኽንያት ሓጎስን እምበር ከም ሸኽሚ ዘይርእይ ባህሊ ምርግጋጽ ኣድላዪን ኣገዳስን ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ሕይወት ካብ ምጽናስ ክሳብ ባህርያዊ ሞት ክኽበር ከምዘለዎን፣ ገና ዝተጸንሰ ሕፃን ኣባል ሥድራ ኢዩ ዝብል ኣብ ሮማን ላዚዮን ዘገልግሎ ብዛዕባ ሕይወት ዝምልከት ዘሎ ሕጊ ቅዱስ ኣቦና ንኢዶም፣ ብዕድመ ንዝደፍኡ ኣቦታን ኣዴታትን ዓቢ ሓልዮትን ደገፍን የድሊ፣ መንእሰይ ወለዶ ናይ እዞም ዓበይት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኣቦታትን ኣዴታትን ኣረጋውያን ናይ ሕይወት ተመክሮን ልቦናን ጥበብን የድልዮ ኢዩ። ናይ ቃል ዘይኮነ ናይ ሕይወት መምሃራን ኣዚዮም የድልዩ ቢሎም፣ መንእሰይ ድሕሪ ብዙሕ ሓርኮትኮትን መጽናዕትን ሕንጸትን ናይ መጻኢ ሕይወቱ ንምሕናጽ ኣሚቱ ናብ ሥራሕ ዓለም ክጽንበር ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ብዙሕ ጊዜ ተደናጊሩን እቲ ዝነብረሉ ኅብረተሰብ ብዝተፈላለየ መገዲ ክነጽጎ መኸላእታ ከቕርበሉ ይርኤይ እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሕይወት መንእሰይ ዘስዕቦ ጸገምን ኩለ መዳያዊ ጸቕጥን ተመሊሱ ናይ ከባብን ሃገርን እናበለ እውን ናይ ዓለም ፀቕጢ ኢዩ ዝኸውን፣ ጥዑይ መንእሰይ ናይ መጻኢ ብሩህ ተስፋ ኢዩ፣ ምእንቲ’ዚ መንእሰይ ክኽበርን ክመዓድን ክምራሕን እምበር ክምዝመዝን ኣብ ናይ ገበን ጉጅለታት መጻወዲያ ክኣቱ ንገዛእ ርእሱ ክሕደግ የብሉን። ነዚ ንምትብባዕ ናይ ከባቢ ቤት ምኽርታትን ኣመሓደርትን ናይ ሥራሕ ዕድል ክፈጥር ዝኽእል ናይ ሥራሕ ፖለቲካ ብምርግጋጽ ናይ ወዲ ሰብ ሥራሕ ናይ ምርካብ መሰሉ ክሕሎን፣ ናይ ሕይወት ክብሪ ዘኽብርን ቤተ ሰብ ንምምሥራት ዘተባብዕ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሥድራ ቤትን ሕይወትን መንእሰይን ሥራሕን ተተሓሒዞም ዝኸዱ ናይ ሕብረተሰብ መሠረታውያን ረቛሒታት ምዃኑ ብሰፊሕ ከምዝገለጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.