2011-01-11 13:42:06

ናይ ኤውሮጳን ሰሜን ኣሜሪካን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ


ኣብቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተወልደሉን ኵላዊ ተልእኾኡ ዝፈጸመሉ ቅዱሳት ሥፍራ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ማኅበረ ክርስትያን ንምትብባዕ ዓሚቱ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ናይ ኤውሮጳን ናይ ሰሜን ኣሜሪካ RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታት ናይ ሓባር ልኡካን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ቤተ ልሄምን፣ ያሪኮን ባብሉስን ከባቢ ማየ ዮርዳኖስን ሓዋርያዊ ዑደት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ትማሊ ኣብ ኢየሩሳሌም ተረኺቦም ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ላቲን ሥርዓታ ምስ እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ ፉኣድ ትዋል ከምእተራኸቡ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ብፁዕ ኣቡነ ትዋል ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ማኅበረ ክርስያን ውሑድ እናኾነ ይኸይድ ከምዘሎን፣ እቲ ዘሎ ውሁድ ማኅበረ ክርስትያን ሕጂ እውን እንተኾነ ንዝተፈላለዩ ሽግራት ተቓሊዑ ከምዘሎን፣ ብፍላይ ድማ ብሓደ ሸነኽ በቶም ጉጅለ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ብኻልእ መዳይ እውን በቶም ናይ የማን ርእዮተ ፖለቲካ ኣኽረርቲ ሰዓብቲ ናይ ኣይሁዱ ሃይማኖት ኢየሩሳሌም ከተማ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ዘይነብሩላ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ሰዓብቲ ከተማ ክትኸውን ጥራሕ ዝብል ድላዮም ንምርግጋጽ ብዝንቀሳቐሱ ዝወርዶ መከራን ሽግርን ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎቶ ብምጥቃስ፣ ማኅበረ ክርስትያን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላምን ፍትሕን ንምርግጋጽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ንጡፍ ተዋሳኢ ክኸውን ይግባእ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣብቲ ሓዋርያዊ ዑደት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ስፐይን ናይ ኡርገል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኹዋን ኤንሪክ ቪቨስ ሲሲሊያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኣብ ቅድስቲ መሬት ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምክያድ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ማኅበረ ክርስትያን ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ርክስትያን ቅርበትን ምትሕብባርን ደገፍን ክገልጹ ይግባእ። ኣብ ዒራቕን ግብጽን ዝርኤ ዘሎ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ብሓቂ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኮነስ ዘስካሕክሕ እውን ኢዩ። ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክርኤ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ።

ውሁዳን ብብዙሃን ክዕበለሉ ዝብል መሠረታዊ ሕጊ የሎም፣ ኣብ ዝኾነ ይዅም ማኅበረሰብ ኅብረኣውነት ውሑስ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ዝሓቶ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕገ ልቦና ዘቃልሖ ክብሪ ኢዩ ምስ በሉ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ኮነ ኣብ ከባቢኣን ብዙሃሓት ተበዓትን ሰብ ተስፋ ክርስትያን ከምዘለዉን ክርስትና ኣብ ሓጎስን ሽግርን ክንበር ዘለዎ እምነት ምዃኑ ዝምስክር ኵነት ብቐረባ ክዕዘቡ ከምዝኸኣሉን እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርኤ ሕይወት ክርስትና ነቲ ብክርስትናኡ ዝደኸመ ዝመስል ምዕራብ ዓለም ኣብነት ኢዩ ኢሎም።

ክርስትያን ማኅበርሰብ ዓለም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ድማ ናብ ቅዱሳት ሥፍራ መደብ መንፈሳዊ ንግደት ብምርግጋጽ ኵለኣዊ ክርስትያናንዊ ምትሕብባርን ደገፍን ከቕርብ ኣለዎ። እዚ ድማ ዝርኤ ዘሎ ቅዱስ ተግባር ምዃኑ ገሊጾም፣ ስለዚህ ኣብቲ ሓደ ምእመን ክርስትያን እውን ዘለዎ ሥፍራ ናይ ቤተ ክርስትያን ኵላውነት ባህርይ ክምስከር ኣለዎ። ውሁዳውነት ዘይኩላውነት ማለት ኣይኮነን፣ ነይቶም ውሁዳን ማኅበረ ክርስትያን ደገፍን ቅርበትን ምቕራብ ጥራሕ ዘይኮነ ብዓለም ደረጃ ጉዳዮም ፍሉጥ ኮይኑ ፍታሕ መታን ክረክብ ብዛዕባኦም ንዅሉ ምሕባርን ብፍላይ ድማ ንመንግሥታትን ክንጸር ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብተደጋጋሚ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ዘቕርብዎ ዘለዎ ጻውዒት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃን መንግሥታትን ብሰብ ጽቡቕ ድላይ ክቀርብን ውሑስ ክከውን ዘለዎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረተ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.