2011-01-08 12:44:58

መደብ ሕዝባዊ ውሳኔ ኣብ ሱዳን


ናይ ሃገራት ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ሓባር ቤት ምኽሪ ልኡኻት ብናይ ዱርባን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዊልፍራይድ ናፓይር ተመሪሖም ኣብ ሱዳን ናይታ ሃገር ደቡባዊ ከባቢ ናይ መጻኢ ዕድል RealAudioMP3 ብውሳኔ ሕዝቢ ንኽረጋግጽ ዝብል ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ሱዳን ወተሃደራትን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ነጻነት ግንባር ዝካይድ ውግእ ደው ንምባል ኣብ 2005 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ናይ ሱዳን ማእከላዊ መንግሥትን ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ ነጻነት ግንባር ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝተበጽሔ ኣብቲ ናይቫይሻ ናይ ሰላም ስምምዕ ሰነድ ተጠቒሱ ዘሎ ውሳኔ መሠረት ዕለት 9 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ንዝካየድ መደብ ውሳኔ ሕዝቢ፣ ብቐረባ ንምዕዛብ ድሮ ኣብ ሱዳን ይርከቡ ከምዘለዉ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ናይ ሃገራት ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓባር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ 1994 ዓ.ም. ኣትሒዙ ኣብ ድጋፍ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርከተ እንክዝከር፣ ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ሱዳን ሽድሽተ ሳዕ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ክመዘካየደ ይንገር።

ካርዲናል ናፓይር ናይ ደቡብ ሱዳን ሕዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ ናይ መጻኢ ዕድል ባዕሉ ክውስን ምግባር እቲ ብውግእ ዝሳቐን ካብ ከይዲ ልምዓት ዝተነጸለ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝተነፍጎም ሰብኣዊ ክብሮም ዘረጋግጽ ዓቢይ ታሪኻዊ ዕድል ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ብፁዕ ካርዲዳል ናፓይር ኣማኻሪ ናይቲ ደኒስ ሁለይ ናይ ሰላም ተቛም ኣመሓዳሪ ኣባ ሲን ኦልርይ እቲ ብናይ ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ሃገራት ዝቖመ ናይ ሰላም ተቛም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርኤ ናይ ሕድ ሕድ ይዅን ናይ ጎረባብቲ ሃገራት ውግእን ግጭትን ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ ዝጽዕርን ኣቲ ኣብ 1876 ዓ.ም. ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ልኡላዊ ኣቀማምጣ ስነ መሬት ዝሓንጸጸ ስምምዕ በርሊን ዳግም ዝምልከትን ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ውግእን ውጥረትን ምስሕሓብን ከለዓዕል ዝኽእል ዕቑር ደራኺ ምኽንያት ንምውጋድ ዝጽዕር መጋበርያ ሰላም ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይ ደቡብ ሱዳን ናይ መጻኢ ዕድል ብገዛእ ርእሱ ምውሳን ናይዚ ዕላማ ሓደ ሓሳብ ምኻኑ ገሊጾም።

እቶም ናይ ሃገራት ከባቢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናይ ሓባር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣብ ሱዳን ክሳብ ዕለት 12 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ክጸንሕ ምዃኑ ይንገር።







All the contents on this site are copyrighted ©.