2011-01-07 08:36:47

ኢየሩሳሌም፣ ምእንቲ ዝስደዱ ክርስትያን ናይ ሓባር ጸሎት


ኣብ ግብጺ ንስደትን መከራን ተቓሊዖም ንዝርከቡ ምእንቲ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ምእመናንን ቤተ ክርስትያኖምን ኣብ ኢየሩሳሌም ሳቢል ብዝብል ኣሕጽሮተ ቃል ዝፍለጥ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት RealAudioMP3 ናይ ሓባር ኮሚቴ ምእንቲ እቶም ኣብ ግብጺ ዝስደዱ ዘለዉን ናይ ዓመጽን ኣድልዎን ኣደዳ ዝኾኑ ምእመናን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ብሓባር ክጽለ ዘዳለዎ ናይ መደብ ጸሎት ትማሊ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዳመ ቅዱስ እንጡንስ ከምእተፈጸመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ግብጺ ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳት ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ዝወረደ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ኣደዳ ዝኾኑ፣ ዝኸፈልዎ ናይ ደም መሥዋዕቲ ንምዝካርን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ምእመን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዝጽውዕ መደብ ጸሎት ከምዝነበረ እቲ መደብ ጸሎት ዘሰናደወ ናይ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ኮሚቴ ዘውጽኦ መግለጺ ከምዘረጋግጾ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እምንቲ እቶም ኣብ ግብጺ ኣብ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳት ጴጥሮስ ወ ጳውሎስ ብዝወረደ በጥቃዕቲ ኣደዳ ንዝኾኑ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ ናይ ኦርቶዶክስ ፓትሪያርክ ቤተ ክርስትያን ናይ ፍትሓት ጸሎት ከምእተፈጸመን እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንክሕብር ኣብቲ ናይ ፍትሓት ጸሎት ናይ ፍልስጥኤም ርእሰ ምምሕዳር ብሔራዊ መንግሥቲ ርእሰ ብሔር ማህሙድ ኣባስን ናይ ኢየሩሳሌም ዓቢይ ምፍቲን ምእመናን ኣይሁድ ሃይማኖትን ከምእተሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ኣንባ አብራሃም ደም ሰማዕታት ዘርኢ ሓደስቲ ክርስትያን ኢዩ፣ ሰማዕትነት እምነት ዘጽንዕ ኵላዊ ምስክርነት ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.