2011-01-07 08:35:19

ናይጀሪያ


ኣብ ናይጀሪያ ናይ ሌጎስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኤንቶንይ ኦሉቡንሚ ኦኮግየ ድሕሪ እቲ ኣብ ዋዜማ በዓለ ልደት ን86 ንጹሓን ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔን ኣብ ጆስ ከተማ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስያን RealAudioMP3 ዝተፈጸመ መጥቃዕትን ቅድሚ ትማሊ እውን ኣብ ከተማ ማይዱጉሪ ኣብ ዝርከብ ናይ ጴንጠቆሰጠ ቤተ ክርስትያን ዝወረደ ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ብሓፈሻኡ ኣብ ልዕሊ ክርስያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ምእመናንን ዝተፈነወ ናይ ሞት መጥቃዕቲ እምነትና የሕይሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ዝወረደ ናይ ሞት መጥቃዕቲ ኣብ ናይጀርያ ኣብ መንጎ ኣስላምን ክርስትያንን ዘሎ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ከምዘይዝርጎን ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዝከኣል እውን ኢዩ ከምዝበሉ አስካ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ማኅበረ ክርስትያን ናይጀሪያ በቲ ዝወረደ ጸረ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን ናይ ሽበራ መጥቃዕቲ ንዝተፈላለያ ሓደጋ ንኽቃልዑ እንተደረኸ እውን እምነቶም ካብ ምንባርን ምምስካር ክቦኽሩ ከምዘይገበሮም ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሱታፌኦም ከምዘይተዓናቐፎን ዝተመስከረ ከምዝኾነ ብፁዕ ካርዲናል ኤንቶንይ ኦሉቡንሚ ኦኮግየ ኣመልኪቶም ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ምእመናን ናይ ሓባር ጸሎት መደባቶም ከምዘሐየሎን ከምዝገለጹ አስካ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ድሕሪ ዝወረደ ጸረ ክርስትያንን ኣቢያተ ክርስትያንን መጥቃዕቲ ማኅበረ ክርስትያን ጽንዓት እምነቶም ኣብ ምምስካር እውን እንተሃለዉ፣ ጽንኩር ኩነት ክሰግሩ ገይሩን ንዝተፈላለዩ ሽጋራት ክምዘቃልዔን ብፁዕነቶም ጠቒሶም ናይ ዝኾነ ይዅን ሃይማኖት ምእመናን እምነቱ ብነጻነትን ሰላምን ክነብር ካብ መንግሥቲ ሰላምን ጸጥታን ደህንነት ክረጋገጸሉ ይግባእ ቢሎም፣ እቲ ማኅበራዊ ውጥረት ከተኣታትው ዝኽእል ኣሉታውያን ተግባራት ክውገዱ ኵሉ መገዲ ሰላም ክኽተል ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣስካ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.