2011-01-04 14:00:05

ኣብ ናይጀሪያን ካውካሶን፣ ህንድን ፣ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ምግሃስ ናይ ሃይማኖት ነጻነት


ኣብ ዓለም ጸረ ክርስትያን ዓመጽ መዕለቢ ዘይብሉ እናኾነ ይቕጽል ከምዘሎ እንክንገር፣ ኣብ ሩሲያ ረፓብሊካዊት ርእሰ ምምሕዳር ካውካሶ ሓንቲ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ብባርዕ ሓዊ ሓደጋ RealAudioMP3 ከምእተጠቕዔትን ክንገር እንከሎ፣ እታ ናይ ቸቸኒያ ተገንጸልቲ እስላማዊ ዕጡቓት ኃይሊ ብዝተፍላለዩ እዋን መጥቃዕቲ ዝፍነውላ ምስ ቸቸኒያ እተዳቡብ ከተማ ኦርድዝሆኒኪድዘ ኣብ እትርከብ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ዝተፈነወ መጥቓዕቲ ነታ ቤተ ክስትያን እንከዕንው ኣብ ልዕሊ ሕይወት ሰብ ሓደጋ ከምዘየስዓበ ይንገር።፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ትማሊ ኣብ ናይጀሪያ ሰሜናዊ ክሊ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ከምእተፈነወን፣ ሓንቲ ናይ ጴንጠቖስጠ ወንጌላዊት ቤተ ክርስትያን ብባርዕ ሓዊ ከምዝዓነወትን፣ ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ዘነቓቕሑን ናይ ዝተፈጸሙ ጸረ ክርስትያን መጥቃዕቲ ተሓተቲ ኢዮም ብዝብል ክሲ ልዕሊ 92 ዝግመቱ ኣባላት ጉጅለ ኣኽረርቲ ምስልምና ብኢድ ናይ ናይጀሪያ ሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ከምዝወዓሉ ይንገር።

ኣብ ህንዲ ከተማ ዳቫናገር ግዝኣት ካርናታካ ናይ ህንዲ ምላእ ክርስትያን ቤት ምኽሪ ኣወሃሃዲ መጋቤ ኢዛክ ሳሙኤል ሓደጋ መጥቃዕቲ ሞት ከምዝወረዶም ክንገር እንከሎ፣ መጋቤ ሳሙኤል ኣብ ዳቫንገር RealAudioMP3 ከተማ ኣብ ዝርከብ ባቡር ጣቢያ ከባቢ ዝነብሩ ናይ ብሔር ኣኪ ፒኪ ሰበኽ ሳግም ኣባላት ዝዓደመ መደብ ጸሎት እናመርሑ እንከለዉ ካብ ኣኽረርቲ ጉጅለ ሃይማኖት ሂንዱ ዝወረዶም መጥቃዕቲ ከምዝኾነን ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

መጋቤ ሳምኤል ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ከምእተጎድኡን ብሑጹጽ ናብ ቤት ሕክምና ከምእተወሰዱ እውን ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓለም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሑስ ክኸውን ዘቕረብዎ ጻውዒት ሕጹጽ ምዃኑ ዝነጽር ኵነት ምዃኑ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.