2011-01-04 13:55:29

ናይ ጽልእን ዓመጽን ተግባር ምቅዋም


ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ኣብ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ዝርኤ ዘሎ ጸረ ክርስትያን ዓመጽ ርእሰ ጉዳይ ገይሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ኣብ ግብጺ ናይ ኣልሓዛር ዓቢይ ኢማም ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተኸስተ ጸረ ምዕመናን ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ኮኒኖም ን RealAudioMP3 ናይታ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ ሃይማኖት መራሒ ፓትሪያርክ ዘ ኣለክሳንድርያ ርእሰ ኣቢያተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ቅዱስ ስኖዶስ ሸኑዳ ሳልሳይ ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ ጸረ ክርስትያን ዓመጽን ናዕብን ኮኒኖም ኣብዚ ጽንኩርን ስንኩፍን እዋን ኩሉ ኣብ ጸረ ሽበራ ዕላማ ክሓብርን ናይ ሓባር ዘተ ክህሉን ከምዝተሓሳሰቡ ጠቒሶም፣ ቅዱስ ኣቦና ወትሩ ዓመጽን ወረ ዓመጽን ብምኹናን ነቶም ዝተጠቕዑን ዓደዳ ጽልዕን ዓመጽን ንዝኾኑ ድማ ቅርበቶምን ደገፎምን ብምግላጽ ናይ ሓይምኖት ነጻነት ክኽበርን ናይ ውሁዳን ሃይማኖትን ባህልን ክፍሊ ኅብረተሰብ ነጻነት ውሑስ ክኸውን ንናይ ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ዝኾነ ይዅን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ መሰልን ፍቓድን ክኽበር ኣብ ዘተሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ እውን ደጊሞም ከምዘተሓሳሰቡ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም።

ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ናይ ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ንፁሓን ክርስትያን ምእመናንን ሰዓብቲ ምስልምና ሃይማኖትን ኣመልኪቶም ዝብልዎ ሓሳብ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዒራቕ ልኡከ መንግሥቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘዛራረብሉ እዋን እውን ከምዝገለጸዎን ኣብ ሎምባርዲ ኣዘኻኺሮም፣ ኵሉ ብፍላይ ድማ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ናይ መግንሥታት እውን ኩሎም ብሓባር ንናይ ኣሕዛብ ጸጥታን ደህንነትን ዓሚቶም ሽበራ ክዋግኡን፣ ነቲ ጽልእን ምግምማዕን ዓመጽን ዝድርኽ ተግባር ብሓባር ክቃወሙን ኣተሓሳሲቦም፣ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ግብጺ ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ናይ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ምእመናን ብጠቕላላ ነታ ቤተ ርክስትያን ቀረባ ምዃና ሓቢሮም፣ እቲ ዝተፈጸመ ናይ ዓመጽ ተግባር ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ሥልጣኔታትን ውጥረት ከየጓሃህር ሓደራ ኢሎም።

በዚ መሠረት ቅዱስ ኣቦና ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 7 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ኵለን ዝተፈላለይ ሃይማኖታት ብሓባር ናይ ሰላም ጸሎት ክካይዳ ንናይ ኵለን ሃይማኖታት መራሕቲ ኣብ ዘተሓላለፍዎ ናይ ዕድመ መልእክቲ ብሽም እግዚኣብሔር ሰላም እምበር ውግእ ኣይፍጸምን ከምዝበሉ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም ዝቐረብዎ ሓተታ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.