2011-01-04 13:56:57

ናይ ኣሲዚ መንፈስ


ናብ እግዚኣብሔር ምቕናዕ ሰላም የነቓቕሕን ናብ ሰላም የብጽሕ። ኣብ ኣሲዚ ብ1986 ዓ.ም. ብኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጽቡቕ ድላይ ምእንቲ ሰላም ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት ናይ ሓባር ጸሎት ከምእተጀመረ እንክዝከር፣ ኵለን ሃይማኖታትን ምእመናንን እምነቶም ናይ ሰላም ኣገልግሎት ከምዝኾነ ኣሚኖም RealAudioMP3 ክነብርዎን፣ ኣብዚ ሰናይ ተግባር ክጽመዱን ይግባእ ዝብል ጻውዒት ንምሕዳስን፣ ኵለን ሃይማኖታትን መራሕተንን ምእመናነንን ነዚ ዕላማ ንምንቕቓሕ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ለብዘበን እውን ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 7 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኣሲዚ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ከተማ ኣብ ዝካየድ ምእንቲ ሰላም ናይ ጸሎት መደብ ክሳተፉ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኩለን ሃይማኖታት ኣብ ዓለም ናይ ሰላም ኤኮኖምን ስነ ምኅዳር ሰላምን ዘለወን ዓቢይ ተራ ብትረትን ብቖራጽ ቓላት ከምዝተሓሰቡን ዝዝከረ ኢዩ።

ኩሉ ብዝተፈላለየ መገድን ቃላትን ትእምርትን ዝፍጽሞ ናይ ስግደት ኣምልኾን ተግባር ብዘየገድስ፣ ኣብ ትሕቲ ጠመተ እግዚኣብሔር ክኽወን እንከሎ፣ ኩለን ሃይማኖታት ብሓባር ይዅን ብግሊ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ዝዓሰለን ከምዝኾና ዝሕብር ጽንዓት ይህልወን። እዚ ኢዩ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመት ብጽቡቕ ድላይ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ኣሲዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር መደብ ጸሎት ክብገስ ዝገበሩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 1 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ናብ እግዚኣብሔር ገጹ ዝጎዓዝን ኣብ ጎደና እግዚኣብሔር ዝርከብ ሰላም ዘተሓላልፍ ካብ ምዃን ሓላፍነት ክቦክር ዘይከኣል ገሊጾም፣ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም. ኣብ ናፖሊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣብ ዘካየድሉ እዋን ናይ ኣሲዚ መንፈስ ሰላም ጠቒሶም፣ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሰላም ክዓያን ኣብ መንጎ ኣሕዛብ ሰላምን ዕርቅን ከነቓቕሓን ዝተጸውዓ ኢያተን ቢሎም፣ ናይ ኣሲዚ መንፈስ ድማ እዚ ምዃኑ ከምዘረድኡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር። ናይ ኣሲዚ መንፈስ፣ ሃይማኖታት ናይ ዓመጽን ሸፈጥን መጋበሪያ ክኸውን ከምዘይብሉ ዘተሓሳስብን ሓቀይና ትርጉም ሃይማኖት ዝገልጽ ከምዝኾነን፣ ብሽም እግዚኣብሔር ዓመጽን ሸፈጥን ግቡእን ምኽንያታዊ ምግባር ጸረ እግዚኣብሔር ተግባር ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም፣ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላም ዝዓሰሎ ኅብረተሰብ ክረጋገጽ ዘኽእል መጋበሪያ ዘቕርባን መገዲ ሰላም ዝሕብራን ንዘረኢ ሰብ ብዛዕባ ሰላም ዝዛረባን ኢያተን ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር የዘኻኽር።

ናይ ኣሲዚ ናይ ፍራንቸስካውያን ገዳም ኣፈ ጉባኤ ኣባ ኤንዞ ፎርቱናቶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ 1986 ዓ.ም. ዝሑል ውግእ ኣብ ዝነበረሉ ኣዋን ዝተበገሰ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖት ምእንቲ ሰላም ናይ ሓባር ጸሎት፣ ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ መንጎ ቦስኒያን ኤርዘጎቪናን ቀጺሉ ድማ ምስ ኣይሁድ ሃይማኖትን ምስልናን ክርስትያን ሃይማኖታት ምእንቲ ሰላም ዝተኻየደ ናይ ሓባር ርክብን ዘኪሮም፣ ኣብ 2002 ዓ.ም. ድሕሪ እቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝተፈጸመ ዘዝካሕኽሕ ናይ ለኪምካ ምጥፋኣ ግብረ ሽበራ፣ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሃይማኖት ንውግእ ዘሰናድው ዘይኮነስ፣ ፍጥረት ሰብ ሰላም ከነቓቕሕን ከብጽሕን ዝገብራ ምዃንነ ዝተረጋገጸሉ መደብ ጸሎት ከምዝነበረ እውን ሓቢሮም፣ ኣሲዚ ከተማ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ለብዘበን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስን ምስ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መንፈሳዊ መራሕቲ ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉ ሃይማኖት ናይ ሰላም መጋበሪያ ከምዝኾነ ንምሕባርን ስላም ንምጽላይ ትሰናደው ከምዘላ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.