2011-01-04 14:01:02

ሳን ሳልቫዶር


ኣብ ኤል ሳልቫዶር ርእሰ ከተማ በቶም ነበር ኣባላት ዕጡቓት ሓይሊ ተኸቢባ ዘላ ካቴድራል ናጻ ክትልቀቕ ናይ ኤል ሳልቫዶር ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጻውዒት ከምዘቕረቡን ከምዚ ዓይነት ቤተ ክርስትያን RealAudioMP3 ናይ ምውራር ተግባር ዳግም ከይክሰት እውን ሓደራ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ እቶም ናይ ሳን ስላቫዶር ነበር ዕጡቓት ኃይሊ ኣባላት፣ ድሕሪ ኣቲ ዕለት 16 ጥሪ 1992 ዓ.ም. ናይታ ሃገር ውሽጣዊ ውግእን ዕግርግን ደው ንምባል ዝተበጽሔ ናይ ሰላም ዘተ ምኽንያት እቶም ኣባላት ዕጡቓት ሓይሊ ናይ ውግኣ ኣጽዋሮም ዛሕዚሖም ናብ ሰላማዊ ናብራ ክጽንበሩ ዝድግፍ ዝተሓንጸጸ መደብ ማኅበራዊ ኅዳሴን ደገፍን ኣብ ግብሪ ኣይዋዓለን ቢሎም ዘካይድዎ ዘለዉ ግበረ ተቓውሞ መሠረት ናብታ ናይ ሳን ሳልቫዶር ከተማ ካቴድራል ብምእታው ዝፍጽመዎ ዘለዉ ናይ ወረራ ተግባር ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኤስኮባር ኣላስ በዓለ ልደትን ሓድሽ ዓመትን ናይዚ ሰሙን ዓበይቲ በዓላት ዝዓርግ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ካልኦት ናይታ ከተማ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ብምኻድ ንኸዕርጉ ከምዘገደደን እንክንገር፣ ናይታ ሃገር ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እቶም ነበር ዕጡቓት ኃሊን ብዘይ ቅድመ ኵነት ነታ ካቴድራል ናጻ ክለቁ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ተቓውሞኻን ሰብኣዊ መሰልካ ንምሕታት ካልእ ዝተፈላለየ ሰላማዊ መገድታት ክትጥቀም ዝካኣል ምዃኑን ብምትሕሳስብ፣ ኣቶም ነበር ዕጡቓት ኃይሊ ካብታ ካቴድራል ክሳብ ዘይወጹ ቤተ ክርስትያን ኣብ መንጎ መንግሥትን ነበር ዕጡቓት ኃይሊ ዝግበር ዘተ ክረጋገጽ እተግበሮ ጻዕሪ ዘተዓናቕፍ ምዃኑ ብጹዓን ጳጳሳት ኤል ሳልቫዶር ኣብ ዘተሓለፍዎ መልእኽቲ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.