2010-12-28 14:56:32

ሱዳን፣ ጻውዒት ሰላም


ናይ ሱዳን ደቡባዊ ከባቢ ናይ መጻኢ ዕድል ውሳኔ ዘረጋግጽ ድምጺ ሕዝቢ ዕለት 9 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ከምዝካይድ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ መደብ ውሳኔ ሕዝቢ ብሰላምን ብምትእምማን ክፍጸምን መሠረት ዓመጽን RealAudioMP3 ውግእን መታን ከይከውን ናይ ቅዱስ ኤንድርኢዩስን ኤዲንቡርግ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ከይት ሚካኤል ፓትሪክ ኦብራይን ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ብቐረባ ተገዲሱ ክከታተሎ ሓደራ ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ዳርፉር እቲ ናይ ጎይታ ሰራዊት ቢሉ ገዛእ ርእሱ ዝሰመየ ኃይሊ ዕጡቃት ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ልዕሊ 40 ዝግመቱ ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን እዚ ዓይነት ሁከት ዝፈጥሮ ዘይምርግጋእ ኣብ ግምት ብምእታው እውን ነቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ መደብ ውሳኔ ሕዝቢ ብዓንተውኡ ንምትዕንቓፍን ነቲ ናይቲ ከባቢ ምርግጋጽ ሥርዓት ዴሞክራሲ ዝድግፍ ከይዲ ዝገትኡ ተግባራት ማኅበርሰብ ዓለም ብቐረባ ክቆጻጻሮ ጻውዒት እንከቕርቡ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ሩምቤክ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ቸሳረ ማዞላሪ እቶም ካብ ደቡብ ናብ ሰሜን ሱዳን ተሰዲዶም ዝነበሩ ኣብዚ እዋን ናብ ከባቢኦም ዝመለሱ ዘለዉ ጉዳይ ተመዛበልቲ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኢዩ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ብምምልካት፣ ነዚ ዝተመዛበለ ሕዝቢ ዘድሊ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ናይ ካቶሊክ ናይ ረድኤት ማኅበራትን ዘይ-መንግሥታውያን ናይ ረድኤት ማኅበራት ምስ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ ድርጅት ምትሕባር ይሳለጥ ከምዘሎን፣ ምእንቲ ሰላማዊ ከይዲ ውሳኔ ሕዝቢ ኵሉ ክጽሊ ሓደራ ከምዝበሉ ኣቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.