2010-12-18 15:20:22

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ ንናይ ሃገረ ጣልያን ኣምባሳደር ንቅድስት መንበር ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም።


ኣምሳደር ፍራንቸስኮ ማርያ ግረኮ ወረቀት ሥራሖም ንከረክቡ ትማል ረፍዲ ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ቅዱነቶም ‘መንግሥቲ ጣልያን ኣብ ሕዝባዊ ጽፍሒ ሃይማኖት ክዅስኵስ ኣለዎ፣ ከመይ ሃይማኖት ቅኑዕ ምዕባሌ ናይ ሃገር ይድግፍ፣’ እንክብሉ ኣድላይነት ሃይማኖት ኣዘኻኺሮም።

ቅዱስነቶ ካብዚ ብምቅጻል ‘ሃገረ ጣልያን ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ እትዝክሮ ዘላ ናይ ሓድነታ 150 ዓመት ቤተ ክርስትያንን ምእመናናን ዘወፈዮኦ ዘኪሮም፣ ኣብዚ ግዜ እዚ መንግሥቲ ጣልያን ነቲ ብገለ ወገናት ዝቀረበ መስቀል ካብ ሕዝባዊ ቦታታት ምእላይ ንዝብል ሓሳብ ብምቅዋማን ንውሑዳን ክርስትያን ኣብ ዘጋጥም ስደታት እተበርክቶን ዘኪሮም ኣመጊኖም።’

ኣምባሳደ ፍራንቸስኮ ማርያ ግረኮ ንአምባሳደር ኣንቶንዮ ዛርዲ ላንዲ ተኪኦም እዮም ናይ ሽመት ወረቀቶም ከረክቡ ምስ ቅዱስነቶም ዝተራኸቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ትማሊ ምሸት ካብ ሽንጥሮ ደቡብ ቲሮሎ ዝመጸ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝትከትል 90 ሜትሮ ዝንውሓቱ ገረብ ልደት ተቀቢሎም ባሪኾም።

“ገረብ ልደት ንዝኽሪ ልደት ንእንገብሮ በዓቲ ትእምርታዊ ሃብቲ ይኾኖ፣ እዚ ከኣ ናይ ሕውነትን ዕርክነትን መልእኽቲ ኮይኑ ናብ ሓድነትን ሰላምን ይዕድም፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ኣብ ሕይወትና ኣብ ሥድራቤትናን ኣብ ማኅበርሰብናን ነቲ ከኣል ኩሉ ዝኾነ ፍቅሩ ብኢየሱስ ሕፃን ገቢሩ ዝልግሠልና እግዚአብሔር ዝኸውን ቦታ ክንፈጥር ይዕድመና፣ መልሲ ናይዚ ፍቅርዚ ከኣ ብናፅነት ፍቅርና ምሃብ ኢዩ’ እንክብሉ ዓሚቊ ትርጉሙ ገሊፆም።








All the contents on this site are copyrighted ©.