2010-12-16 15:26:10

ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ


ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ በቶም ብጆሴፍ ኮንይ ዝምርሑ ናይ ጎይታ ዕጡቓት ኃይሊ ብዝብል ስም ገዛእ ርእሶም ዘጸውዑ ዝፈጸም መጥቃዕቲ ምንጻት ዜጋታት ናይታ ሃገር ክውገድን ብፍላይ ድማ RealAudioMP3 ኣብዚ ናብ በዓለ ልደት ዝመርሓና ቅዱስ እዋን ደው ክብል ዝተፈላለዩ ሰላመ ክርስቶስ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ዝርከብዎም ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ነቲ ናይ 2008 ዓ.ም. እቶም ደባይ ተዋጋእቲ 860 ንጹሓን ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ዘቃልዑሉ ዓመትን ከምኡ ድማ ዝሓለፈ ዓመት እቶም ናይ ኡጋንዳ ደባይ ተዋጋእቲ ኣብ እዋን በዓለ ልደት ሕፃናትን ደቀ ንስትዮን ኣረገውትን ዝርከብዎም ልዕሊ 300 ሰባት ከምዝተቐትሉን ብምዝካር ኣብ ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻውዒት ከምዝኾነን ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብታ ሃገር በሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት በቶም ደባይ ተዋግእቲ ከምእተቐትሉን ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ካብ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝቐረቡ ጸብጻባት መሠረት እዚ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዴሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝረኣዩ ግጭታትን ገና ፍታሕ ዘርይረኸቡ ውጥረታትን ናይ ሞትን መቑሰልትን ሓደጋን ድኽነት ዘሰፍሕን ጽንኩር ኩነታት ናይ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብ ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ኣክንዲ ዝጽመድ ጸማም እዝኒ ክህበሉ ምርኣይ ዘሕዝን ምዃኑ እቲ ሰላመ ክርስቶስ ምንቅስቃስ ዝርከበሉ 19 ናይ ዘይመንግሥታውያን ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ብሓባር ዘመሓላለፍዎ ናይ ሰላም መልእክቲ ከምዘመልከተ ሚስና ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ናይ ኪልዋ ካሰንጋ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፉልገንቸ ሙተባ ኣብታ ሃጋር ዝሰፍሕ ዘሎ ሸለልትነትን ዘይምግዳስን ምግባረ ብልሽውናን ሓላፍነትካ ዘይምኽባርን ዘየተኣምምን ኩነት ጠቒሶም ብፍላይ ድማ ዝተኸስቱ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ብዓንተውኡ ንምቁጽጻር እናተኻእለ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጥፍኣት ከስዕብ ምርኣይ ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ ቢሎም፣ እቶም ምዕባለን ውህደትን ሰላምን ምክብባርን ምሉእ ሕንጸት ሰብኣውን ዘተዓናቕፉ ሸለልትነትን ዘይምግዳስን ምግባረ ብልሽውናን ሓላፍነትካ ዘይምኽባርን ግብረ ገብን ሥነ ምግባር ብምስፋሕ ብትብዓት ምቅዋምን ምውጋድን ይግባእ ከምዝበሉ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.