2010-12-16 15:24:45

ኣልጀሪያ፦ ባሲሊካ ኖተር ዳም ዳፍሪክ


ናይ ኣልጀርስ ሊቀ ጳጳስ ብፅዕ ኣቡነ ካለብ ሙሳ አብዳል ባደር ኣብታ ከተማ ዝርከብ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ዝተሓንጸ እታ ኣብ ፖላንድ ዝተራእየት ብጸላም ማርያም እትፈልጥ ምስሊ ቅድስቲ ድንግል ማርያም RealAudioMP3 ዝተነብረሉ ባዚሊካ ኖትረ ዳም ዳፍሪክ ንነዊሕ እዋን ክሕደስ ድሕሪ ምጽናሕ እቲ ናይ ምሕዳስን ጽገናን ዕዩ ተዛዚሙ ዳግም ንናይ ኣምልኾን ሥግደትን ኣገልግሎት ከምእተኸፍተ ከምዝገለጹ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ ኣመልኪቱ።

እቲ ባዚሊካ ዳግም ነገልግሎት ኣምልኾን ሥግዳት ንምኽፋት ኣብ ዝተኻየድ በዓለ ምረቓ ናይ ኣልጀሪያ መራሔ መንግሥቲ በልካደምን ናይ ሃይማኖት ጉዳይ ሚኒስትር ግላማላህን ካልኦት ዓበይቲ ናይ መንግሥትን ሰብ ሥልጣናትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት መንፈሳዊ መራሕትን ከምእተረኽቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ጋዜጣ ቃል ብፁዕ ኣቡነ ጋለብ ሙሳ አብዳል ባደር ጠቒሱ የምልክት። እታ ባዚሊካ ናይ ምርድዳእን ርክብን ዘተን ትእምርትን ተባሂላ እውን ከምእትፍለጥ ዝዝከር ኢዩ።

ሕንጸት ናይታ ባዚሊካ ዕለት 12 ለካቲት 1855 ዓ.ም. ተጀሚሩ ዕለት 2 ሓምለ 1872 ዓ.ም. ተዛዚሙ ብዕሊ ኣብቲ እዋን ኣብ ናይ ኣልጀርስ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ቻርለስ ላቪገርየ ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ተመሪቑ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ታሪኽ ናይቲ ባዚሊካ ጠቒሱ የዘኻኽር።








All the contents on this site are copyrighted ©.