2010-12-03 14:56:07

ካዛኪህስታን፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር


ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ኣብ ካዛኪህስታን ከተማ ኣስታና ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርትን ኣብዚ ናይ ኤውሮጳ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ባናችን ኣብ ካዛኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ማኡርይ ቡዌንዲኣ ዝርከብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት መሪሖም ከምእተሳተፉ እንክንገር፣ ብፁዕነቶም ኣብቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ማኅበር ኣባላት ናይ ዝኾና ናይተን ቅድስቲ መንበር እትርከቦም 56 ሃገራት መራሕቲ ዘሳተፈ ኣኼባ ተረኾቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቅድስቲ መንበር ናይዚ ማኅበር ብምሉእ መሰል ኣባል ምዃና ዘኪሮም፣ ኣቲ ናይ ሀልሲንኪ ኣብ 1975 ዓ.ም. ዝተኻየደ ጉባኤ ዘበገሶ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ማኅበር ውግእ ክህሉ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ውግእ ኣጽዋር ትም ኣብ ዝብለሉ እዋን እውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ናይ ምይይጥን ዘተን ባህሊ ዘተባብዕን ኣብ መንጎ ሕዝብታት ኣብ ሥነ ምግባር ዝተደገፈ ምትሕብባር ዘነቓቕሕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ካብዚ መሠረታዊ ሓሳብ ዝተበገሰ ብዙሕ ፍጻሜታት ዝተበጽሑ እውን እንተኾነ ገና ብዙሕ ዝተርፍ ሥራሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም፣ ብኻልእ መዳይ ነቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ሰብኣዊ ክብሪ ክኽበርን ምድግጋፍን ሓልዮትን ሓባራዊ ጥቕሚ ክረጋገጽ ንእተካይዶ ጎስጓስ ዝድግፍ ኢዪ ኢሎም።

ሰብኣዊ መሰል ምኽባርን ምድግጋፍን ሓልዮትን ሓባራዊ ጥቅሚ ንምርርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ መሠረት ደህንነትን ምትሕብባርን ኢዩ። እዚ ድማ ናይዚ ማኀበር ምቛም መሠረታዊ ምኽንያት ምዃኑ ገሊጾም፣ ዓለም ካብ ኣጽዋር ውግእ ናጻ ክኸውን ንዝግበር ጻዕሪ መሠረት እውን ኢዩ ኢሎም። ኣቲ ኣብ ዓለም ዝተኸስተ ናይ ቁጠባን ኤኮኖምን ቅልውላው ኣብ ኵሉ መዳይ ናይ ሥነ ምግባር ኣድማስ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝመስከረ ኩነት ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለም ሰላም ዝተመዓራረየን ቅኑዕን ነባርን ደህንነት ንምርግጋጽ ዝድግፍ ምትሕብባርን ናይ ለጋስነት ኣመክንዮ ክሰፍሕ ዝድርኽ ኢዩ ኢሎም። ቀጺሎም መሰልን ፍቓድን ስደተይናታትን ቤተሰቦምን ብዝምልከት እቲ ናይ ሄለሲንኪ ዋዕላ ዝሃበሉ ውሳኔንን ኣብ 1983 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድን ኣብ ቪየናን እቲ ሰነድ ብምልኣት ድልው ክኸውን ኣብ 1989 ዓ.ም ዝተኻየዱ ጉባኤታት ዘመልክቶ ምዃኑ ቅድስቲ መንበር እዚ ናይቲ ሰነድ ዓንቀጽ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከይሰልከየት ንኹሎም መንግሥታት ጻውዒት ካብ ምቕራብ ከምዘይበኾረት ሓቢሮም፣ ኣብ ገለ ገለ ከባቢታት እምነት ክርስትስና ንምንጻል ዝግበር ኣሉታዊ ተግባራትን ውሳኔታትን ዘኪሮም፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገርን ኅብረተሰብን እዚ ዓይነት ናይ ምንጻል ጸረ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተግባር ከይፍጸም ናይ ምክብባርን ምቅብባልን ባህሊ ክሰፍሕ ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን ነጻነት ክኽበር ዘተባብዕ ምዃኑን ኣረዲኦም፣ ሃይማኖታዊ ሕይወት ንናይ ማኅበራውን ባህላውን ሕይወት ኣድላዪ ካብ ዝኾኑ ረቛሒታት ኣዚዩን ኣገዳስን ዝኾነ ረቛሒ ኢዩ፣ ሰለዚህ ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ነዚ ኣመለኻኽታ ዝጻረር ካብቲ ምእማንን ዘይምእማንን ኵሉ ሓደ ኢዩ ዝብል ተዛማዲ ባህሊ ዝነቅል ኣመለኻኽታ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ካብ ማኅበራዊ ሕይወት ሃይማኖትን ኣምልኾን ክሓክኽ ዝፍትን ዘይ ሃይማኖታዊ መንግሥቲ ንምቛም ብዝብል ምስምስ ዝተኣታተው ጸረ ሃይማኖታዊ ተግባር ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ምእመናንን ኣብ ማኅበራዊ ሕይወት ቀንዲ ተዋሰእቲ ክኾኑ ዘተባብዕን ኃላፍነት እውን ከምዘለዎም ዘነጽር ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ካብ እምነት ዝምንጭ እማኔ ብዘንቅሎ ርእየት ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ክዋስኡን በዚ መዳይ ንናይ ማኅበራዊ ግብረ ገብ ዕብየት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘበርክቱ ዘየጠራጥር ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.