2010-11-30 16:21:53

ዘመናዊ መርበብ ሓበሬታ ወይ ወብሳይት ኣብ ስብከተ ወንጌል


ዘመናዊ መርበብ ሓበሬታ ወይ ወብሳይት ኣብ ስብከተ ወንጌል ብዝለዓለ ንጥፈት ንምጥቃም ብዝዓለመ መደብ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ተታማንዚ ኣብ መላእ ሰባኻኡ ዝርከቡ ክርስትያን ሕቶ ርይእቶ ከቅርቡሉን መልሲ ክረኽቡሉን ዝከአለሉ መርበብ ሓበሬት ወይ ወብሳይት ከምዝኸፈቱ ተሓቢሩ።

ቀዳማይ ዕላማ ናይዚ መርበብ ሓበሬታ ኣብዚ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ኮይኑ ምሳኡ ከኣ ናይ ኩሎም ምእመናን ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ንምፍላጥ ሓበሬታ ንምልውዋጥ እውን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ነዚ ብግቡእ ንምስልሳል ናይ ሚላኖ ሰበኻ ኣብ 1107 ቍምስናታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ናይ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ተዋፊሮም ንዘለው 200 ንዝኾኑ ኣገልገልቲ ኣብ ካቶሊካ ዚበሃል ዪኒቨርሲቲ፣ ‘ምስ ኩሎም ምዝራብ ንነፍሲ ወከፍ ምርካብ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዚኣክል ሥልጠና ድሕሪ ምሃብ ዝሓለፈ ቀዳም ብፁዕ ካርዲናል ተታማንዚ መሪቆም ጀመርዎ። ኣብዚ ግዜ ምርቃ ከምዝገለፅዎ ብፁዕነቶም በዚ መንገዲ እዚ ምስ ነፍሲ ወከፍ ምእመን ክመያየጡ ድሌት ከምዘለዎም ብዛዕባ እምነት ብዛዕባ ቤተ ክርስያን ይኹን ካልእ ምጥርጣራትን ፀገማትን ነፍሲ ወከፍ ክሓትት ንክኽእል ንሶም ከኣ ክምልሱ ድሌት ከምዘለዎም ሓቢሮም፣ ነዚ ኣብ ምግባር ኣባላት ኩርያ ብብቅዓት ከምዝሕግዝዎም እውን እምነቶም ገሊፆም፣ ናይዚ ተበግሶ እዚ ምውዕዋዕ ኣብ ዚመፅእ ወርሒ ጥሪ ዕለት 5 ዓለምለኸ መዓልቲ መራኸቢ ብዝኃን ኣብ ዝዝከረሉ ከምዝጅመር እውን ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመፀ ዜና ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.