2010-11-30 15:11:23

ዒራቕ፣ ኩነታት ማኅበረ ክርስትያን


ዕለት 31 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ርእሰ ከተማ ባግዳድ ኣብ እትርከብ ረዳኢተ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስትያን ዝወረደ ኣብ ልዕሊ ሕይወትን ንብረትን ዓቢ ኪሳራ ዘስዓበ ናይ ሽበራ RealAudioMP3 መጥቃዕቲ ተሓተቲ ኢዩም ብዝብል ጥርጠራ ኣብ ባግዳድን ሞስልን ናይ ዓልቃይዳ ኣባልን ገለ ገለ ተሓባበርቱን ብሓይሊ ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተዉ፣ ዕለት 27 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝዘርግሖ ምንጪ ዜና እንከፍልጥ፣ እንተኾነ ግን ብዙሓት ከምዝብልዎ እቲ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ሓድሽ መንግሥቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ዜጋታቱን ዓለም ሓቆፍ ማኅበርሰብን ደህንነትን ጸጥታን ውሑስ ንምግባር ኣበኪሩ ይዓዪ ከምዘሎ ንምሕባር ዝኣመተ ሓቅነት ዘይብሉ ስጉምቲ ርኣዩለይ ምዃኑ ብምግላጽ እቲ ሓይሊ ጸጥታ ዝወሰዶ ናይ ምጽራይ ስጉምቲ ግዚያውን ናይ ሓሶትን ኢዩ እክብሉ ናይታ ሃገር ማኅበረ ክርስትያን ከምዝሓበሩ እቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዱ ዝወዓሉ ኣብ ባግዳድ ምዕራባዊ ከባቢ ዝርከብ ክፍለ ከተማ ማንሱር ናይ ዓልቃይዳ ግብረ ኣሸበርቲ ጉጅለ ኣተሓባባሪ ሁድሃይፋ ኣል ባታዊን ሰዓብቱን ከምዝኾኑ ናይ ዒራቕ ናይ መንግሥቲ ቴሌቪዥን ጣቢያ ጀነራል ኣህመድ ኣቡ ርጋይፍ መግለጺ ጠቒሱ ካብ ዝዘርግሖ ዜና ክፍለጥ እንከሎ፣ እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ዘለዉ ኣሸበርቲ ናይቲ ኣብታ ቤተ ክርስትያን ዝተፈጸመ 57 ሰባት ንሞት ሓደጋ ዘቃልዔ ግብረ ሽበራ ተሓተቲ ምዃኖም ከምዝተኣመኑ እቲ ናይ ቴሌቪዥን ጣቢያ ዜና እንክሕበር፣ እዚ ብሁድሃይፋ ኣል ባታዊን ዝምራሕ ጉጅለ ኣሸበርቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋራሕ ኣብ ልዕሊ ማእከላይ ባንኪ ቤትን ኣል ኣራቢያ ናይ ቴሌቪዥን ጣቢያ ማእከልን ኣብ ልዕሊ ገለ ገለ ዓበይቲ ቤት መሸጣ ክቡር እምኒ ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙ ምዃኖምን ገና ግበረ ሸበራ ንምፍጻም ኣብ ምቅራብ ከምዝነበሩን ንግብረ ሽበራ ዝጥቐምሉ ተፈንጃሪ ቦምብታት ዘዳልውሉ ኣባይቲ እውን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ናይ ባግዳድ ቤት ጽሕፈት ጸጥታ ዝዘርግሖ መግለጺ ዝጠቐሰ ናይ ዒራቅ ቴሌቪዥን ጣቢያ ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኅልው ኩነታት ንናይታ ሃገር ማኅበረ ክርስትያን ሕይወት ዘተኣማምን ከምዘይኮነ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ዒራቕ ማኅብረ ክርስትያን ኣብ ገዛእ ዓዱ ክነብር ህልውናኡ ውሕስ ክኸውን መንግሥትን ኣኽበርቲ ሕግን ከማንም ዜጋ ናይታ ሃገር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበረሉ ዝቕርቦ ሕቶ ኣልቦ ግቡእ መልሲ ኮይኑ ብምትራፉ ብዙሓት ክርስትያን ዒራቓውያን ይስደዱ ከምዘለዉን ብፍላይ ድማ ናብ ዒራቕ ሰሜናዊ ከባቢ ዝውሕዙ ምዃኑ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.