2010-11-30 16:20:36

ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሐዋርያ ኣብ ቁስጥንጥንያ


ኣብ ክብረ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሐዋርያ ንምስታፍ ወከልቲ ቅድስት መንበር ናብ ቁስጥንጥንያ ከምዝኸዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወፀ ዜና ኣመልኪቱ።

ካብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሮማን ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቍስጥንጥንያን ክግበር ዝፀንሐ ኣብ በዓላት ወኪላትካ ናይ ምልኣኽ ፅቡቅ ልምዲ ማለት ብዕለት 29 ሰነ ኣብ ሮማ ኣብ ዝበዓል በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ወከልቲ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቍስጥንጥንያ ናብ ሮማ እንኪለኣኹ ኣብዚ ሎሚ ዝብዕል በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሐዋርያ ከኣ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ወከልታ ናብ እስጣምቡል ትልእኽ።

በዚ መሠረት ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ንሓድነት ክርስትያን ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ንናይ ቅድስት መንበር ወከልቲ መሪሖም ናብ ቍስጥንጥንያ ከምዝኸዱ ካብ ቅድስት መንበር ዝወፀ ዜና ኣመልኪቱ።

ንብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ዘሰንዩ ካብ ሮማ ናይቲ ቤት ምኽሪ ፀሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ብራየን ፋረል ናይ ምሥራቃውያን ጉዳይ ዚከታተሉ ጥቀ ክቡር ኣባ ኣንድረያ ፓልሚየሪ እንኽኾኑ ካብ ሃገረ ቱርክ ከኣ ናይ ቅድስት መንበር ኑንፅዮ ማለት እንደራሴ ወይ ወኪል ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶዮ ሉቺበሎ ክፅንበርዎም ምዃኑ ምስ እዚ ተታሓሒዙ ዝመፀ ዜና ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.