Home Archivio
2010-11-30 15:08:46
ካዛኪህስታን፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር
ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ኣብ ካዛኪህስታን ከተማ ኣስታና ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ
ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርትን ኣብዚ ናይ ኤውሮጳ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ባናችን ኣብ ካዛኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ማኡርይ ቡዌንዲኣ ዝርከብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት መሪሖም ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅድስቲ መንበር ናይዚ 56 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቍፍ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባር ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ብምሉእ መሰል ኣባል ከምዝኾነት እንክፍለጥ፣ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስን ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ብብፁዕ ኣቡነ ማምበርት ተሰንዮም ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.