2010-11-30 15:08:46

ካዛኪህስታን፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር


ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባርን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ኣብ ካዛኪህስታን ከተማ ኣስታና ካብ ዕለት 1 ታሕሳስ ክሳብ ዕለት 2 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ኣብ ዘካይዶ ኣኼባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ RealAudioMP3 ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶኔ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርትን ኣብዚ ናይ ኤውሮጳ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሚካኤል ባናችን ኣብ ካዛኪስታን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ሚገል ማኡርይ ቡዌንዲኣ ዝርከብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኻት መሪሖም ክሳተፉ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅድስቲ መንበር ናይዚ 56 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቍፍ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደህንነትን ምትሕብባር ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ብምሉእ መሰል ኣባል ከምዝኾነት እንክፍለጥ፣ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ካብ ዕለት 3 ታሕሳስን ክሳብ ዕለት 4 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም. ብብፁዕ ኣቡነ ማምበርት ተሰንዮም ሓዋርያዊ ዑደት ክፍጽሙ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.