2010-11-30 15:13:20

ኣፍጋኒስታን፣ እምነት ምልዋጥ ከም ገበን


ክልተ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ካብ ምስልምና ሃይማኖት ናብ ክርስትና እምነት ምልዋጦም ከም ገበን ተቖጺሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ሞት ፍርዲ ክውሰነሎም ከምዝኽእል እውን ዓቢ ሥግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ። RealAudioMP3

ናይ ምዕራባዊ ካቡል ኣኽባሪ ሕጊ ዲን ሞሃማድ ቁራይሺ፣ እቶም ክልተ ዜጋታት ኣፍጋኒስታን ናይ ምስልምና እምነቶም ዛሕዚሖም ናይ ክርስትና እምነት ዝተቐበሉ ሙሳ ሳየድን ኣህማድ ሻህ ብዓይኒ ሃይማኖት ምስልምና ካብ ሃይማኖት ምስልምና ወጺእካ ካልእ ሃይማኖት ምቕባል ገበን ምዃኑ ብዝገልጽ ውሳኔ መሠረት ገበነይናታት ኢያቶም፣ ስለዚህ ናይ ሞት ፍርዲ ወይ ድማ ማእሰርቲ ሕልፈት ክውሰነሎም ከምዝኽእል ገሊጾም።

ድሕሪ ምውዳቕ ሥርዓት ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ዝጸደቐ ቅዋም ሃገር እምነትካ ምልዋጥ እዚ ማለት ድማ ካብ ምስልምና ሃይማኖት ወጺእካ ካልእ ሃይማኖት ምቕባል ገበን ኢዩ ዝብልን፣ ናብ ሞት ፍርዲ ዘብጽሕ ገበን ኢዩ ዝብል ዓንቀጽ ተነቢርሉ ከምዘሎ እንክንገር፣ ኣብ ኣፍጋኒታን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግሥቲ ሕንጻ ውሽጢ ዘላ እንኮ ናይ ካቶሊክ ቤተ ጸሎት ቆሞስ ኣባ ጁዘፐ ሞረቲ ብዛዕባ እቶም ተኣሲሮም ዝበሃል ዘሎ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ ሃይማኖት ምስልምና ወጻኢ ካልእ እምነት ምስፋሕ ብቕዋም ናይታ ሃገር ክልኩል ብምዃኑ፣ ኅላዌ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኣፍጋኒስታን ካብ 1923 ዝተበገሰ እውን እንተኾነ፣ ብካቶሊክ ካህን ምሥጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ዜጋ ኣፍጋኒስታን የለን ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልከት፣ እቶም ተኣሲሮም ዝበሃሉ ዘለዉ ክልተ ዜጋታት ኣፍጋንሲታን ናይ ካቶሊክ እምነት ዝተቐበሉ ከምዘይኮኑ ከምዘረጋገጹ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ኣፍጋኒስታን ንኡሳን ኣሓት ዘኢየሱስ ደቂ ቻርለስ ፉካውልትን ደናግል ደቂ ማድረ ተረዛን ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዝተዋጽኣ ማኅበረ ደናግል ከምዘለዋ እውን ኣባ ሞረቲ ሓቢሮም፣ እዘን ማኅበራት እውን እንተኾነ ክርስትና እምነት ኣብ ምስፋሕ ተልእኾ ዝተጸምዳ ኣይኮናን ከምዝበሉ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.