2010-11-30 16:18:23

ርዮ ዲ ጃነሮ


ኣብዚ ቅንያት እዚ ኣብ ርዮ ዲ ጃነሮ ዝበሃል ከተማ ናይ ብራዚል ኣብ መንጎ ዕፀ ፋርስ ዘመላልሱ ናይቲ ዓዲ ሥርዓት ዘኽብሩ ፖሊስን ብዝተላዕለ ዕግርግር ልዕሊ 40 ሰባት ሕይወቶም እንክስእኑ ብዙሕ ንብረት ከምዝጠፍኤ ገና እቲ ሁከት ከኣ መዓልቦ ከምዘይተረኽቦ ኣብ ማዕከን መራኸቢ ብዙሓን ክግለፅ ቀንዩ።

ቅ.ኣ.ር. ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ዘሕዝን ፍፃሜ ብዓሚቍ ጓሂ ይስዕብዎ ከምዘለው ምእንቲ ናይቶም ናይዚ ሓደጋ እዚ ግዳይ ዝኾኑን ቤተሰቦምን ከምዝፅልዩን ዝገልፅ መልእኽቲ ብዋና ፀሓፊ ቅድስት መንበር ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዝዮ በርቶነ ናብ ሊቀ ጳጳስ ናይ ከተማ ርዮ ብፁዕ ኣቡነ ኦራኒ ኻዎ ተምፐስታ ዝተልእከ ኣመልኪቱ።

ቅዱስነቶም ኣብቲ መልእኽቲ እቲ ጉዳይ ብቀጥታ ንሰብ ሥልጣን ስዝምልከት ‘ሰበሥልጣን ነዚ ሕንፍሽፍሽ ብቅልጡፍ ከምዝውዳእ ክገብሩ፣ ሥርዓት ከስፍኑ፣ ሓባራዊ ጥቅምን ሕግን ሥርዓትን ንክኸብር ኣበርቲዕም ክሠርሑ ሓደራ ቢሎም።

ናይ ራድዮ ቫቲካን ክፍሊ ብራዚል ንብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ናይ ርዮ ብስልኪ ኣብ ዘዘራረቦ ግዜ ብፁዕነቶም፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና መልእኽቲ ብዓቢ ሓጎስ ከምዝተቀበልዎን በዚ ኣጋጣሚ ንቅዱስ ኣቦና ብልቢ ከምዘምስግኑን ድሕሪ ምግላፅ ኩነታት ዝሃድእ ይመስል ሠራዊት መንግሥትን ሓለውቲ ፀጥታን በቶም ዕፀ ፋርስን ሓሽሽን ዝዝርግሑ ተታሒዘን ዝነበራ ክልተ ዞባታት ናይቲ ከተማ ተቆፃፂሮም ኣሎው፣ቤተ ክርስትያን እውን ከምቲ ወትሩ ኣብ ጎኒ ፅጉማት ብምዃን ዝተኻእላ ተበርክት ኣላ’ እንክብሉ ዘሎ ኩነታት ገሊፆም።








All the contents on this site are copyrighted ©.