2010-11-27 14:38:53

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ሕማም ኤይድስ


ዕለት 1 ታሕሳስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ሕማም ኤይድስ ዝሕዝሰበሉ ዕለት ምዃኑ እንክንገር፣ ኣብ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ኣሕሉቕ ጉባኤ ኣብ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ንጸረ RealAudioMP3 ኤይድስ ዝግበር ናይ ሕክምና ጻዕሪ ኮነ ብሕማም ኤይድስ ንዝተለክፉ ዝውሃብ መድሃኒትን ኣገልግሎት ሕክምናን ከምቲ ዝተሓስበ ከምዘይኮነ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ንጸረ ኤይድስ ዝገበር ጻዕሪ ብሕጽረት ናይ ገንዘብ ሃብቲ ምዕባሌኡ ኮነ ከረጋገጾም ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ሸቶ ኣዚዩ እናርሓቐ ክኸይድ ከምዝገበረ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከመዘመልከተ ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ናይ ጸረ ኤይድስ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት መርበብ ኣመልኪቱ።

ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ኤይድስ ኩለን ሃገራት ብሃገር ሓቆፍ ኮነ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ንጸረ ኤይድስ ዝገብር ጻዕሪ ከሐይለኦን ምስፋሕ ኤይድስ ንምግታእ ኣበኪረን ክዓያ ብምትሕስሳብ ቤተ ክርስትያን ምስ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብምትሕሓዝ ኣብ ቁምስናታትን ኣባይቲ ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ማኅበራዊ ማእከላትን ግቡእ ሓበሬታ ብምቕራብ ሕዝቢ ካብ ኤይድስ ክከላኸል እተካይዶ መደብ ሕንጸት ክሰፍሕን ክብርትዕን ከምዘተሓሰሰበ ናይ ኢየሱሳውይን ማኅበር ናይ ጸረ ኤይድስ ጉዳይ ዝሓሊ ቤት ጽሕፈት መርበብ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ዝቕጽል 40 ዓመት ውሽጢ ብዝሒ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ካብቲ ዘለዎ ብሰለስተ ዕጽፊ ማለት ካብ 395 ሚሊዮን እዋናዊ ብዙሑ ናብ ሓደ ሚሊያርድን 230 ሚሊዮን ክዓቢ ምዃኑ ብዛዕባ ሕዝብን ከይድን ኣፍሪቃ ኣመልኪቱ ናይ ሕቡራት መንግሥታት መቓምጦ ጉዳይ ዝምልከት ቤት ጽሕፈት ኣብ ማሊ ርእሰ ከተማ ባማኮ ኣብ ዘካየዶ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዘመልከተ ሚስና ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.