2010-11-25 15:24:01

ንውህደት ቤተ ክርስትያን ዘተዓናቕፍ


ዕለት 20 ህዳር 2010 ዓ.ም. ኣብ ቻይና ክፍለ ሃገር ሄበይ ከተማ ቸንግደ ካህን ጁሰፐ ጉዎ ጂንካይ ኣባል ናይታ ብ 1957 ዓ.ም. ብድላይን ውሳኔን መንግሥቲ ሕዝባዊት ረፓብሊክ ቻይና ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስያን ተነጺላ ዝቖመት ማህበር ሃገራዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቻይና ብዘይ ውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትእዛዝን ፍቓድን RealAudioMP3 መሠረት ቅብኣተ ጵጵስና ከምዝሃበት እንክንገር፣ ኣቡናት ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ር.ሊ.ጳ. ኮይኖምን ምስኦም ብምትሕብባር ንተልእኾ ክርስቶስ ዘለዓለማዊ ጓሳ ንኽቕጽልዎ ከም ጓሶት ነፍሳት ንቦታ ሓዋርያት ንኽትክኡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመዘዙ እንክኾኑ እዚ ተልእኾ ብፍቓድ ተኸታሊ ጴጥሮስ ዝርከብዎ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ኣብ ቻይና ዝተፈጸመ ቅባተ ጵጵስና ንናይ ውህደት ቤተ ክርስትያን ዕንቅፋት ብምዃኑ ንቕዱስ ኣቦና ኣዚዩ ከምዘሕዘኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ቻይና ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ሓዋርያዊ ተልእኾ ዘይተቐበሉ ናይ ቻይና ማኅበር ሓገራውነት ቤተ ክርስትያን ቻይና ካህናት ቅብኣተ ጵጵስና ከምእተፈጸመሎምን፣ ኣብቲ ቅብኣተ ጵጵስና ምስ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ውህደት ዘለዎም ኣብ ቻይና ናይ እትርክብ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ክሳተፉ ብናይ መንግሥቲ ላዕለዎት ኣካላት በስገዳድ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ጸቕጢ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነቶም ዝግህስ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ናይ ኣስገዳድ ጸቕጢ’ዚ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃይማኖትን ኅሊናን ነጻነትን ከምዝኾነ ብምትንታን፣ ኣብቲ ናይ ቅብኣተ ጵጵስና ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ተገዲዶም ዝገለጽዎ ሱታፌ ቅድስቲ መንበር ክሳብ ክንደይ ብቑዕ ምዃኑ ብመሠረት ሕገ ቀኖና ክተጽንዖ ምዃና ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ብመሥረት ሕገ ቀኖና ዓንቀጽ 1382 ክብር ጁሴፐ ጉዎ ጂንካይ ኣብ ቅድሚ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ጽንኵር ዘይሕጋውነት ቅብኣተ ጵጵስና ከምዝርከቡ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ብዘይ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ዝወሃብ ሓዋርያዊ ተልእኮ ብናይ ቻይና መንግሥቲ ድላይ ዝተፈጸመ ምስ ርእሲ ማኅበር ኤጲስቆጶሳትን ኣባላቱን ሕብረት ዘይብሉ ቅብኣተ ጵጵስና ኣብ ቻይና ብፍላይ ድማ ንናይ ከባቢ ቸንግደ ካቶሊክ ምእመናን ኣብ ስንኵፍ ኩነት ዘእትውን ዘይድግፍን ዘሕስርን ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ እንክምልከት፣ ንናይ ካቶሊክ ሥርወ እምነት ዝጻረርን ንቅዱስ ኣቦና ዘየኽብር ምዃኑ ብምትንታን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን በቲ ዘለዋ ሓላፍነት ተልእኾን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ምቕርራብ ክህሉ ንውህደት ኣሚታ እተካይዶ ጻዕሪ ብዘይ ምቁራጽ ክትቕጽለሉ ምዃና ዳግም ብምሕዳስ፣ እንተኾነ ግን ቅድስቲ መንበር ናይ ቻይና ማኅበር ሓገራዊት ካቶሊክ ቤተ ክስትያን ብጸቕጢ ኣንቶንይ ሊዩ ባይኒያን እተርእዮ ጠባይ ኣዚዩ ከምዘሕዝና ኣብቲ መግለጺ ተመልኪቱ ኣሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.