2010-11-25 15:39:56

ቅድስት ካተሪና ዘስየና


ከምቲ ቅዱስ ያሬድ ‘ኢኀደጋ ለምድር እንበለ ካህናት ወዲያቆናት ዝበሎ’ ቅዱስነቶም ከኣ ኣብ ናይ ትማሊ ዕለተ ሮቡዕ ሶምናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ‘ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን እንተኾነ ብሕይወትን ኣብነትን ብዙሓት ቅዱሳት አደታት ዓበይቲ ፀጋታት ትረክብ አላ፣ እዘን ቅዱሳት ኣደታትን ኣኅትን ኣብ ልቢ ነፍሳት ሓሳብ እግዚአብሔር ከምዝሰርፅ ብምግባር እምነት ምእመናን ብምብርታዕ ናብ እግዚአብሔር ከምዝምለሱን ቅዱስ ሕይወት ከምዝነብሩን ይገብራ አለዋ’ እንክብሉ ብዛዕባ ቅድስት ካተሪና በዓልቲ ስየና ኣስተምሂሮም።

እዛ ቅድስቲ እዚኣ ሽሕኳ ብሕይወታ ብዙሕ እንተተሳቀየት ብሕይወታ ከላ ይኹን ኣብ ሰማይ ምስ ቅዱሳን ድሕሪ ምፅንባራ ገባሪት መንክር ስለዝኾነት አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተፈላለየ ምሕፅንታ ዘቅረቡላ፣ ድንግልን ሊቅን ቤተ ክርስትያን፣ ጠበቃ ዓዲ ጣልያንን ኤውሮጳን ክትከውን ዝመረፅዋ ዓባይ ቅድስቲ እያ።

ሎሚ እትምህረና ቀንዲ ትምህርቲ ከኣ ብትብዓት ንኢየሱስን ቤተ ክርስትያኑን ክንፈልጥን ክነፍቅርን ከዝምኾነ ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝሃብዎ ትምህርቲ ኣስሚሮምሉ።

ዝተወልደትሉ ኣብ ስየና ዝበሃል ዓዲ እንክኾነ በቲ ግዜ እቲ ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ናብራ ኤውሮጳን ዓዲ ጣልያንን ኣብ ብርቱዕ ወጥሪ ኢዩ ዝነበረ። ኮይኑ ግን ይብሉ ቅዱስነቶም፣ ኮይኑ ግን እግዚአብሔር ኣብ ግዜ ከቢድ ፀገም ንሕዝቡ ካብ ምብፃሕን ምብርኻን ኣየቋርፅን፣ ብዙሕ ግዜ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብምልኣኽ ሕዝቡ ይባርኽ፣ እቲኦም ዝለኣኹ ቅዱሳንን ቅዱሳትን ከኣ ንኣእምሮን ልብን ናይቶም ምእመናን ብምንቅቃሕ ናብ ንስሓን ተሓድሶን ከምዝዝንብል ይገብርዎ፣ ሓንቲ ካብዘን ቅዱሳት ከኣ ኣባል ሳልሳይ ማኅበር ዶሞኒካውያን ዝኾነት ዳርጋ መሃይምነት ዘይጠፍአት ብብሕትውናን ፀሎትን ተጋድሎን ልዕሊ ኩሉ ፀብለል ዝበለት ብኣብነታን ብቃላን ብዙሕ ዝመኸረት ቅድስቲ ኢያ።

ብወርኂ መጋቢት ዕለት 25 1347 ዓም ተወልደት፣ ወለዳ ብብዝሒ ውሉድ ዝተባረኹ ነበሩ፣ ካብ 25 ቈልዑት ንሳ መበል 24 ነበረት።

ኣብ ንኡስ ዕድመኣ እንከላ ብዙሕ ግልፀት ካብ ኣምላኽ ረኺባ፣ ብብሕታ መብፅዓ ድንግልና ገበረት፣ ክሳብ መወዳእታ ከኣ መብፅዓኣ ኣኽበረት።

ንብዙሓት መኻሪት ኣደ ኮነት፣ ማማ ኣደ ቢሎም ከኣ ይፅውዕዋ ነበሩ።

ኣብዚ ኩሉ ክትበቅዕ ግን ኣብ ርእሲ እቲ ትገብሮ ዝነበረት ፆምን ፀሎትን ተጋድሎን ከምቲ ኣብ ኩሎም ቅዱሳን ዝረአ ግሁድን ስውርን ስደት ጥዕና ምስኣን ብዙሕ የሳቅያ ነበረ።

ካብ ኩሉ ናይ ቤተ ክርስትያን ምፍልላይ ብዙሕ የሳቅያ ነበረ። ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ከምዘመልክቶ ኣብቲ ዘመን እቲ ኣብ ክልተ ተመቂላ ገሊኦም አርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ንመንበረ ጴጥሮስ ካብ ሮማ ናብ ኣቪኞን ዝበሃል ከተማ ፈረንሳ ኣግዒዞሞ ነበሩ፣ ር.ሊ.ጳ ኡርባኖ 5ይ ንመንበረ ሮሜ ገዲፎም ናብ ኣቪኞን ምስ ከዱ ቅድስት ካተሪና ሕይወት ገዳም ገዲፋ ስብከተ ወንጌል ክተካይድ ብዝተገልፀላ ተልእኮኣ ንክትፍፅም ኣብ ፎንተብራንደ ዝተባህለ ዓዲ ካብ ደቂ ኣቡነ ብሩክ ደቂ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ካብ ዶሞኒካውያን መንኮሳት ፍራንቸስካውያንን ኢየሱሳውያንን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣኻኺባ ማኅበር ኣቆመት፣ ከተማ ፎንተብራንደ ማእከል ኩሉ ብምዃን ምኽሪ ዝድልዩ ኩሎም ናባኡ ወሓዙ። ልኡኻትን ኣጋይሽን ብብዝሒ ክውሕዙ ምስ ረኣየት ቅድስት ካተሪና መልእኽታት ክትፅሕፍ ጀመረት። እዚ ናይ ተሓድሶን ስብከተ ወንጌልን ምንቅስቃስ እዚ ክሕይል ምስ ረአዩ ግሊኦም ሓደግኛ ኢዩ ቢሎም ናብ ቤተ ክርስትያን ከሰሱ፣ 6 ዓመት ቅድሚ ሞታ ኣብ ፊረንሰ ዝበሃል ከተማ ናይ ዓዲ ጣልያን ዓቢ ጉባኤ ተገብረ፣ ንኽትምርመር ተፀውዔት፣ ኩሉ ትገብሮ ትኽክል ስለዝነበረ ኸኣ ረቲዓ ተዓዊታ ወፀት።

ንር.ሊ.ጳ ኡርባኖ 5ይ ንኽትክኡ ር.ሊ.ጳ ጎርጎርዮስ መበል 11 ምስ ተመርፁ ናብ ኣቪኞን ከይዳ ነቲ ኣብ ሥርዓተ ሢመቶም ዝገበርዎ ማሕላ ብምጥቃስ ናብ አዕፅምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከቦ መንበረ ሮሜ ክምለሱ ለመነቶም፣ ር.ሊ.ጳ ጎርጎርዮስ መበል 11 ከኣ ልመናኣ ሰሚዖም ብ16 መስከረም 1376 ዓም ንሮማ ተመልሱ። ኮይኑ ግን እንደገና ካልእ ፀገም ተላዕለ ር.ሊ.ጳ ጎርጎርዮስ መበል 11 ምስ ዓረፉ ኣብ ክንዳኦም ር.ሊ.ጳ ኡርባን 6ይ ምስ ተመርፁ ኣብ ውሽጢ ሓፂር ግዜ ካልእ ተፃይ ር.ሊ.ጳ ብምዃን ቀለመንጦስ 7ይ መፁ፣ እዚ ነርባዕተ ዓመታት ንቤተ ክርስትያን ኣናወፀ፣ ኮይኑ ግን ቅድስት ካተሪና ነቶም ብግቡእ ዝተመርፁ ር.ሊ.ጳ ኡርባን 6ይ ኢዮም ክትብል ትሰብኽ ነበረት።

ብዙሕ ተገልፆ ተቀቢላ፣ ብዙሓት መኺራን ሓጊዛን ሚያዝያ 29 1380 ዓም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየት፣ ድሕሪ ሞታ ቅድስና ኣብ ምሉእ ኤውሮጳን ዓለምን ተዘርገሐ፣ ር.ሊ.ጳ ፕዮስ 2ይ ብ1461 ቅድስናኣ ኣወጁ።

ቅዱስነቶም ብሰፊሑ ታሪኽ ሕይወት ናይ ቅድስት ካተሪና በዓል ስየና ድሕሪ ምግላፅ፣ ካብዚኣ ቅድስቲ እዚኣ እንመሃሮ ገርሀይናን ፅዑቅን ብዝኾነ መንገዲ ንኢየሱስን ንቤተ ክርስትያኑን ብትብዓት ምፍቃር ኢዩ እንክብሉ ትምህርቶም ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.