2010-11-25 15:26:34

ሲኖዶስ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዌስት ሚኒስትር ናይ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓፈሻዊ ሲኖዶስ ንግስቲ ኤልሳቤጥን ናይ አንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሕን ናይ ካንተርበሪ ሊቀ ጳጳስ RealAudioMP3 ሮዋን ዊሊያምስ ብዘስምዕዎ ዘረባ ብወግዒ ከምእተጀመረ ክንገር እንከሎ፣ ንግሥቲ ኤልሳቤጥን ሊቀ ጳጳሳት ሮዋን ዊሊያምስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካብ ዕለት 16 መስከረም ክሳብ ዕለት 19 መስከረም 2010 ዓ.ም. ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝፈጸምዎ ወግዓዊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ከምዝዘከሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ዶክቶር ሮዋን ዊሊያምስ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብዚ እዋን ተኸሲቱ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ቅልውላው ኤኮኖሚ ቤተ ክርስትያን ረብሓ ሕዝቢ ኵሉ ክኽበርን ክረጋገጽን ኣበኪራ ብምግልጋል፣ ናይ ማህበራዊ ጸገማት መፍትሒኦም ቢላ እትኣምነሉ መገዲ ከምእትሕብርን ሰላምን ምቅርራብ ክህሉ ከምእተስተምህርን ገሊጾም፣ ናይ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ እንግሊጣር ዝፈጸመዎ ወግዓውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ወንጌላዊ ምስክርነት ከምዝኾነን ኣወንታዊ ሳዕቤኑን ኣገዳስነቱን ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዕምቆት ክምእተጽንዖ እንክገልጹ፣ ንግሥቲ ኤሊዛቤጥ ብወገነን ኣብቲ ዘስምዕኦ ዘረባ፣ ኣብዚ እዋን ኣብ ኅብረተሰብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰፍሕ ዘሎ ሃይማኖትን እግዚኣብሔርን ሸለል ዝብል ዘይግደስ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ዘይሓስብ ምእመናን ዘይምእማን ኣብ ሓደ ደረጃ ዘቐምጥ ባህሊ ናይ ኵለን ሃይማኖታት ኣመንቲ ናይቲ ናይ ሕይወት ክቡር ዋጋ ኣንቀሳቐስቲ ኮይኖም ክርከቡን ኣመልኪተን፣ ወግዓውን ሓዋርያውን ምብጻሕ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኩለን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ዓቢይን ተስፈይናን ዝኾነ መንፈስ ዘነቓቕሕን ቅንዕናን ንማኅበራዊ ረብሓ ክቕወም ዘተባብዕ ኢዩ ኢለን፣ ቀጺለን ሲኖዶስ ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክወስዶም ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ውሳኔታት ኣሚተን ቀጻልነቱ ዝተረጋገጸ ሚዛኑ ዝሓለው ካብ ጥበብ ዝምንጭ ሕዳሴ ዘመልክት ኽኸን ዘለወን ተስፋ ከምዝገለጻ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.