2010-11-23 15:56:21

ጸሎት ምእንቲ ማኅበረ ክርስትያን ዒራቕ


ማእከላይ ምብራቕ ብዘይ ማኅበረ ክርስትያን ዝዘንበዐ መሬት ምኾነ ኔሩ እንክብሉ ኣባ ረናቶ ሳኮ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሰላምን ፍትሕን ድርገትን ናይ ሰላመ ክርስቶስ ማህበር ኣባል፣ RealAudioMP3 ነቲ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ባግዳድ ኣብ ዝርከብ ናይ ሶርያ ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ብዝወረደ መጥቃዕቲ ንሞት ሓደጋ ዝተቓልዑ ብዙሓት ሕጻናትን ክልተ ካህናት ዝርከብዎም 50 ምእመናን ብምሕሳብ፣ ኣብ ዒራቕን ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከቡ ማኅበረ ክርስትያን ክጽለ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘቕረቦ ጻውዒት መዓልቲ ጸሎት ትማሊ ኣብ ኩለን ቁምስናታት ዝተፈጸመ መንፈሳውን ሰብኣውን መደብ መሠረት ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም። ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሕይወት ማኅበረ ክርስትያን ካብ ዕለት ናብ ዕለት ንኸቢድ ሓደጋ እናተቓልዔ ይኸይድ ከምዘሎ ኣብ ዒራቕ ዘሎ ኅልው ኩነታት ማኅበረ ክርስትያን ዝምስክሮ ኢዩ። ብጠንቂ ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስትያንን ምኅበረ ክርስትያን ዝወርድና ናይ ሞት መጥቃዕቲ ዒራቓውያን ማኅበረ ክስትያን ኣብ ገዛእ ዓዶም ናይ ሃይማኖትን ናይ ኅሊናን ነጻነትን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተረጋገጺሎም ብሰላም ናይ ምንባር ተስፋኦም ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናቕሃመ ገዛእ ዓዶም ሓዲጎም ንኽስደዱ ይድርኾም ከምዘሎን፣ ብሓፈሻኡ ውሁዳን ሃይማኖትን ዓሌታት ዒራቕ ኣብ ዒራቕ ናይ ብዙሃን ሃይማኖታትን ዓሌታትን ናይ ዘካይድዎ ዘለዎ ማኅበራውን ፖለቲካውን ሥልጣን ምክፍፋል ቅድድም ግዳይ ኮይኖም ከምዝርከቡ ኣባ ሳኮ ሓቢሮም፣ መላእ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ እቲ ሕዝቢ ክጽለን ማኅበረሰብ ዓለም ካብ ዝኾነ ይዅን ውልቃዊ ረብሓ ምንዳይ ተግባር ተወጊዱ ኣብ ዒራቕ ናይ ሰብኣውን መሰልን ፍቓድ ውሑስ ክኸውንን ናይ ውሁዳን ሃይማኖታትን ዓሌታትን መሰልን ክኽበር ከይሰልከየ ክዓዪ ዘተሓሳስብ መንፈሳዊ መደብ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዒራቕ ብዙሓት ምእመናን ምስልምና ሃይማኖት እውን እንተኾኑ ዒራቕ ብዘይ ዒራቓዊ ማኅበረ ክርስትያን ክትሕሰብ ከምዘይትከኣልን፣ ዒራቕ ብዘይ ማኅበረ ክስትያን ዓቢ ስዕረት ኢዩ ቢሎም ከምዝገልጽዎ እውን ሓቢሮም፣ እዚ ድማ ንመላእ ማእከላይ ምብራቕ ዝምልከት ሓሳብ ኢዩ። ናይ ዒራቕ ኅብረ ሃይማኖት ምጥፋእ ሃይማኖታዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓቢ ማህበራውን ሰብኣውን ባህላውን ኪስራ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ዒራቕ ዘሎ ዘይምርግጋእ ንዘይ ሕጋዊ ይኹን ሕጋዊ ንግድ ኣጽዋር ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩ ኢዩ። ኣብ 2009 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ዝተረጋገጹ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ንናይ ንግድ ኣጽዋር ዘተባብዕ ከምዝመስል ገሊጾም፣ እዚ ድማ ሰላም ዘይኮነስ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማኅበራዊ ፍርሒ ዘግድድን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ዘርሕቕን ኢዩ። ስለዚህ ንግድ ኣጽዋር ጎደና ሰላም ኣይኮነን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.