2010-11-20 14:39:06

ርእሰ አንቀጽ ቅድስቲ መንበር


ናይ ቅድስቲ መንበር ክፍሊ ዜናን ቤት ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ከምቲ ልሙድ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዘቕርብዎ ርእሰ አንቀጽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ሎሚ፣ ጥርኑፍ ሓባራዊ ኣገልግሎት እዚ ማለት ድማ ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኩሎም ብፁዓን ካርዲናላትን RealAudioMP3 ጳጳሳትን ሓደ ማኅበር ብዝብል ቃል ዝገለጽ ሓሳብ ርእሰ ጉዳይ ገይሩ ሥምረትን ሓድነትን ኩሎም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ትሕቲ ሥልጣን ተኻታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝንበር ሓዋርያዊ ማኅበር ብማኅበረ ኤጲስቆጶሳት ዝግለጽ ምዃኑ ብምዝኽኻር፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 20 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. እቲ ልሙድ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ኣቕሪቦም ምስ ኣጠቓለሉ፣ 15 ካብ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣርባዕተ ካብ ኣፍሪቃን ካልኦት ኣርባዕተ ካብ ላቲን ኣሜሪካ ሓደ ካብ እስያ ዝርከብዎም ብጠቕላላ 24 ብፁዓን ኣቡናት ናይ ካርዲናል ማዕርግ ክቕበሉ ምዃኖም ከምዝሓበሩ ክዝከር እንከሎ፣ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ እዚ ድማ እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መትከልን መሠረታውን ናይ እምነት ሓድነትን ውህደት ኣብ ቤተ ክስትያን ክዕቀብን ኣምነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ክጸንዕን ንቕዱስ ጴጥሮስ ዘረከቦ ተልእኾ ነባርን ቀጻልን ኮይኑ ኪርኤ ብዝኽል መገዲ ዘረጋግጽ ዝብል ምዃኑን፣ እቲ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቀውም ናይ ብፁዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣብቲ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ተልእኾ ሓጋዝን ተሓባባርን ምዃን ኢዩ።

ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እቶም ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስትያንን ሕዝበ እግዚኣብሔር ከምኡ ድማ ኵላውነት ቤተ ክርስትያንን ሓድነትን ብዝምልከት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘበርከቱን ዘበርክቱ ዘለዉም ኵላውነት ባኅርይ ቤተ ክርስትያን ብቕዓት ብዘለዎ ኣገባብን መገድን ሕይወትን ዝነብሩን ዝገልጹን ክገልጹ ዝኽእሉ ዝብል ንካርዲናል ማዕርግ ብቑዕ ዘብሉ ቢሉ ካብ ዝጥቀምሎም መምዘንታት ሓደ ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ርእሰ ኣንቀጽ ኣመልኪቶም፣ እዚ ሓድሽ ጉባኤ ካርዲናላት ወይ ድማ ኮንቺስቶሮ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኃላፍነትን ኣብ ዓለም ቤተ ክርስትያን ኣብ እምነት ኣብ ምጽናዕ ክርስቶሳዊ ተልእኾኦም ዘጋንፎም ሻቕሎትን ሥግኣትን ተኻፈልቲ ኮይኖም ዝድግፉን ዝተሓባበሩን ክኾኑ እንከለዉ፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ነዚ ጉባኤ ካርዲናላት ጽን ዝብልን ዘማኽርን ከምዝኾነን ድሮ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተኻየዱ ዝተፈላለዩ ናይ ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስን ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳት ብዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሠረት ዝፍጽመዎ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ኣብቲ ርእሰ ኣንቀጽ ተንቲኖምዎ ይርከብ።







All the contents on this site are copyrighted ©.