2010-11-20 14:42:31

ላቲን ኣሜሪካ፣ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ


ናይ መላእ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘማእከለ ናይ ስደተይናታትን ናይ ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ኣብ ኮሎምቢያ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካራይቢን ናይ ስደተይናታትን ናይ ገያሾን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ን RealAudioMP3 ናይ ኣቢያተ ክርስትያን ውህደትን ደገፍን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ክካየድ ዝቐነየ ሎሚ ዕለት 20 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ስደትን ጸዓት ንመላእ ዓለም ናይ 21 ዘመን ብድሆ ከምዝኾነ ዘመልክት ንርባዕተ መዓልቲ ዝተኻየደ ስብሰባ፣ ስደተን ኣብ ባህላዊ መዳይን ልምድን መለለይን እምነትን ሃብቲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድኽነትን በስገዳድን ማለት ኤኮኖሚያዊ ሽግር ኣድልዎ ዓመጽን ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝድርኾ ምዃኑ ብምትንታን፣ ብፍላይ ኣቲ ኣድልዎን ዓመጽን ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፈቓድን ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ንስደት ይድርኽ ከምዘሎን ክንገር እንከሎ እቲ ኣኼባ እዚ ቁጽሮም ኣዚዩ ልዑል ንዝኾኑ ክፍሊ ኅብረተሰብ በስገዳድ ንስደት ዝድርኽ ዘሎ ማኅበራዊ ተርእዮ ብሥነ ምግባርን እቶም ስደተይናታት ንስደት ዝድርኾም ሽግር ዝፈትሑ ኢዮም ቢሎም ዝኣምኑሎም መምዘንታትን ግምት ብምሃብ ንምፍታሕ መንግሥታት ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ደረጃ ክዓዩ ከምዘለዎም ከምዘተሓሳሰበ ተገሊጹ።

ናይ ስደተይናታትን ገያሾን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ቨሊዮ ኣብቲ ኣኬባ ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተምህሮን ቀጺሎም እውን ንተጋባኣያን ዝዓረገ መሥዋዕተ ቕዳሴ መሪሖም ኣብ ዘቕረብዎ ስብከት፣ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ገዓዝያን ቢሎም ብምዝካር፣ ኅብረተሰብን መንግሥታትን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ደገፎም ክነቕሑ ጻውዒት ብምቕራብ፣ ኢየሱስ ማርያም ዮሴፍ ቅዱስቲ ቤተ ሰብ ንስደተይናታት ዝቐርብ ሓልዮትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ኣብነት ኢያ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.