2010-11-19 10:41:36

፩ ሰንበት ዘአስተምህሮ 2003 ዓ.ም. (21 ኅዳር 2010)


መዝሙር፡ ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ. . . . . ።

ንባባት፡ ሮሜ 5፡10~ፍ፤ 1ዮሓ. 2፡1~18 ግ.ሓ. 22፡1~12፤ ሉቃስ 18፡35~43

ስብከት፡ “እትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”።

“ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።

ካብ ዑረት ልቢ ክንሓዊ ዝዕድም ሰንበት: አብ እዋነት ምጽአት ክርስቶስ ገጽና አና ተጎዓዝና ክንምሃሮ ዝግብአና እሞ አብዚ ናይ ሎሚ መዝሙር ተመርኲስና ጣዕሚ ምሕረት አምላኽን ሓልዮቱን ክነስተንትን። “ርሕሩሕ እግዚአብሔር አበሳና ዘኪሩ ክንጠፍእ አይሓደገናን፤ ሙሴ ንኅዝቢ ሰንበት ብጽድቂ ከኽብሩ አዘዞም” እናበልና ናይ አምላኽ ምሕረትን፤ትዕግስቲን አስተማቒርና ክንክእል ምእንቲን ነቲ አብ ገለ እዋን ጎልቢቡ ዝሕዘና ሎሚ ክንሰግሮ ንሕተት አሎና።

ሉቃስ አብ ናይ ሎሚ ሰንበት ብፍሉይ ካብ አዕዊሩና ዘሎ መንፈስ ሰይጣን ከመይ ኢልና ክንበራበርን ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት ክንሓስብ ዝሕግዘና ታሪኽ የዘንትወልና። ንሱ ከም ካልኦት ወንጌላውይን ብዛዕባ ሓደ ዕዉር ሰብአይ ይዛረበና፤ ምስ ካልኦት ወንጌላውይና አነጻጺርና ክነንብቦ ከሎና ፍሉይ ትምህርትን አስተንትኖን ክንገብር ይሕግዘና። ማርቆስ አስተውዒሉ አብ መንጎ ነውሕ ትምህሪት የቕርቦ ሓዋርያት ርድኢቶምን ናይ ተልእኮኡ አፍልጦ እናዓመቐ አብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን ከም ዘጋጠመ ይነግር። ስም እቲ ዕዉር ባርጢሜዎስ ወዲ ጢሜዎስ ከም ዝብሃል እውን ይነግር። እቲ ታሪኽ ምሳሌታት ዘልኦ ከምኡ ጥርኑፍ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ። አብ ሉቃስ ፍሉይ ቦታ ሒዙ ንረኽቦ። አብ መንጎ ክልተ ዓበይቲ ዛንታታት የቕርቦ። ክልቲኡ ዛንታታት ብዛዕባ ክልተ ሃብታማት። እቲ ቀዳማይ ንኢየሱስ ቀሪቡ ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ እንታይ ክገብር ይግብአኒ ኢሉ ምስሓተቶ ኢየሱስ መጀመርያ ትእዛዛት ሓሉ ኢልዎ ነዝስ ብንእስነተይ ፈጺመዮ ምስ በለ ኩሉ ዘሎካ ሸጥካ ንድኻታት ዓድሎ እሞ ንዓ ተኸተልኒ ምስ በሎ ሓዲግዎ ከይዱ፤ ዝነበሮ ሃብቲ አዕዊርዎ ነሩ ብዘይካ ሃብቱ ካልእ ክርኢ አይከአለን። እቲ ካልአይ ሃብታም ዘኬዎስ አኽፋሊ ቀረጽ ዝነበረ ንኢየሱስ ምስ ረኸበ ካብ ሃብቱ ፍርቂ ንድኻታት ክህብ ፍቓደኛ ዝኾነ ሓጢአቱ ዝተአመነ እሞ ንኢየሱስ መን ምዃኑ ዝፈለጠን ዝረአየን ብዛዕብኡ ይነግር። ካብዞም ክልተ አየናይ እዩ ዕዉር?

አብቲ ቀዳምይ ታሪኽ ብዛዕባ እቲ ሃብታም ንናይ ኢየሱስ መጸዋዕታ ክኽተሎ ዝነጸገ ክንርኢ ከሎና ንሳልሳይ ጊዜ ብዛዕባ ሕማማቱ ሞቱን ትንሣኤኡን ይዛረብ አብዚ ሓዋርያት እውን ክርድእዎ አይከአሉን፥ ናቱ ተልእኮ ክስቆሮም አይከአለን ንሶም እውን መንፈሳዊ ዕዉራት ጎልቢብዎ ክርድእዎ አይከአሉን።

ሉቃስ ክነግር እንከሎ ኢየሱስ አብ ኢያሪኮ ምስ ቀረበ ይብል ንፍሉይ ነግር ክነግር ስለ ዝደለ። ኢያሪኮ ጥንታዊት ከተማ 8 ኪሜ ምዕራብ ሩባ ዮርዳኖስ 25 ኪሜ ሰሜን ምስራቕ ካብ ኢየሩሳልም እትርከብ እያ። አብ ጊዜ ኢየሱስ እታ ናይ ብሉይ ኪዳን ኢያሪኮ ዓንያ ብሓዳስ ከተማ ብሄረዱስ ዓብይ ተሃኒጻ ነራ። ኢየሱስ ቅድሚ ኢየሩሳሌም ምብጻሑ ሓንቲ መዕረፊቱ ዝነበረት እያ። አብ ወንጌል ማርቆስ ንኢያሪኮ ወጺኡ አብ ጫፍ ከተማ ንኢየሩሳሌም ገጹ መከራ ክቕበል ክኸይድ እንከሎ ይብል ከምኡ እቲ ዕዉር ተኽታሊኡ ኮይኑ ይብል፥ ሉቃስ ግን ብኢያሪኮ አብ ውሽጢ ከተማ እንከሎ ንኢየሩሳሌም ገጹ ክአቱ እንከሎ ይብል ምኽንያቱ ናይ ዘኬዎስ ክነግር ክሕውስ ስለ ዝደለ እዩ። ምስ ኢየሱስ ዝጉዓዙ ዝነበሩ አርድእቱን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ከም ዝነብሩ ኩሎም ወንጌላውያን ይነግሩና። መብዝሕትኦም ብግዙፍ እምበር ብመንፈስስ ምስኡ አይነበሩን።

እቲ ታሪኽ ብዛዕባ ሓደ ዕዉር ሰብአይ አብ ዘፈር መንገዲ ኮይኑ ዝልምን ዝነበር እናበል ይጅምር። አብ ዘፈር መንገዲ ክብል እንከሎ፤ ፩ ጽጉም ከም ዝነበረ ይገልጽ ፪ አብ መገዲ ዘይኮነስ አብ ወሰን ኮይኑ ዝልምን ሓገዝ ሰባት ዝጽበ የስምዕ ፫ ኢየሱስ አብ ማእከል መገዲ እና ጸውዐ አብ መገዲ ይሕውሶ ምስኡ ከም ዝጉዓዝ አብ መገዲ ይገብሮ። ኢየሱስ ንሱ እቲ መገዲ እዩ ። ማቴዎስ ክልተ ዕዉራት ከም ዝነበሩ ይነግር (ማቴ 20፡ 29~34)። ኩሎም ወንጌላውያን ዝጠቕስዎ እቲ መንገዲ ንኢየሩሳሌም ገጹ ዝወስድ ኩሎም አርድእቱ ምስኡ ዝጉዓዝዎ ዝነበሩ ከም ዝነበረ ይነግሩና። እቲ ዕዉር ኢየሱስ ይሓልፍ ከም ዝነበረ ምስ ፈለጠ ዓው ኢሉ ክጽውዕ ጀሚሩ “ኢየሱስ ወዲ ዳዊት ምሓረኒ” እዚ ክብል እንከሎ ወዲ ዳዊት ክብል እንከሎ ናይ ኢየሱስ መሲሕን ንጉሥ ምዃኑ ከመልክት ዝበሎ እዩ። እዚ ጸሎት ኩልና ክንደግሞ ዝግብአና እዩ ማለት ብምሉእ አብ አምላኽ ክምንምርኮስ ምስ አመና ንኢየሱስ ክሕግዘና ክመርሓን እነቕርቦ ጸሎት እዩ። አብ መንጎናን መንጎ ኢየሱስን ዘሎ ራሕቂ ምስ አላለና። እቲ ዕዉር ነዚ ጸሎት ምስ ደገመ ናብ ኢየሱስ ገጹ ክጉዓዝ ጀሚሩ። እንተኾነ እቶም አብ ጥቕኡ ዝነበሩ ሰባት ሱቕ ክብል ይገንሕዎ ከልኪሎሞ ምኽንያቱ ንስኻ ጨርቃም ለማናይ ንመምህር ክትጽውዖ ብዝብል ርድኢት እንተኾነ ንሱ ከየቋረጸ ጸዊዑ፤መጠን በቶም ህዝቢ ዝተጸቕጠሉን ዝተኸልከለሉን መጠኑ ዓው ኢሉ ይጽውዕ ነሩ። ኢየሱስ አብ ትምህርቱ ደጋጊምና ክንጽውዕ ነጊሩና እዩ። እዚ ዕዉር ከምኡ ገሩ። አብ መንጎና ክንደይ ኮን ይህልዉ ስአን ምትብባዕ አብ ኢየሱስ ምቕራብ ዝሰአኑ?ሽዑ ኢየሱስ ድምጺ እቲ ዕዉር ምስ ሰምዐ ደው ይብል። ምናልባት ቀጺሉ ዘይጸውዔ ነሩ እንተ ዝኸውን ኢየሱስ እውን መገዱ ምቐጸለ ነሩ። ክንደይ ጊዜ ኾን ንአና ከይጸዋዕናዮ ሓሊፉና ይከውን። ኢየሱስ ብዙሕ ጊዜ ብጥቓና ይሓልፍ እዩ። ክንደይ ጊዜ ከየላለናዮ ሓሊፉና ይኸውን፥ ክንደይ ጊዜ ካብ ምጽውዑ አስቂትና ንኸውን። ክንደይ ጊዜ ክሳብ ዝሰምዓና ጸዊዕናዮ?

ኢየሱስ ነቶም ጥቕኡ ዝነበሩ ናብኡ ከምጽእዎ ይነግሮም። ኢየሱስ ባዕሉ አይጽውዖን ። ናይ አምላኽ ጽዋዔ ብዙሕ ጊዜ ከምዚ እዩ። ምናልባት ኢየሱስ ብቐጥታ እንተ ተራእየና ወይ አብ ቅድስና አቲና አሎና ወይ ናይ አእምሮ ጸገም ገርና አሎና ማለት እዩ። ንሕና ብኻልኦት ኢና እንጽዋዕ። አብዚ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን አብ ሕይወትና ንኢየሱስ ዘምጽኡልና ክንሓስብ ንኽእል። ብሳልኦም ኢና እዚ ኮናዮ ዘሎና። ብዘይ ሓገዞም ንኢየሱስ ንወንጌል ንቤተክርስትያን አይምፈለጥናዮምን ፤ አብዚ ክነስተንትኖ ዝሕግዘና እምብአር፤ ኩሉ ጊዜ አምላኽ ብኻልኦት ሰባት ገርና ኢና ንኢየሱስ እንፈልጦ ከምኡ ንሕና ንኻልኦት። አብ ገሊኡ እዋን ብአይ ጥራሕ ዝፍለጠሉ እዋን አሎ። አነ ጥራሕ ምስ ኢየሱስ ዘራኽቦ ክኸውን እኽእል እየ። ብአንጻሩ ኸአ ንሰባት አብ ኢየሱስን ንመንገዱ ከይፈልጡ ከይቀርቡ ዓንቃጺኦም ክኸውን እኽእል እየ።

እቶም ዝኽልክልዎን ሱቕ በል ዝብልዎ ዝነበሩ ኢየሱስ ክጽውዖ ምስ ሰምዑ ናብኡ ክቐርብ ይጽውዕዎ፥ አይትፍራሕ ይጽውዓካ አሎ ይብልዎ። ክንደይ ሰባት አለዉ ከምዚ ክብሃሉ ዝግብኦምእሞ ክንደይ ጊዜ ዘይገብርዎ? ካብ ኢየሱስ ክንፈርሕ አይግባእን ንሱ ጓሳና እዩ። ንነፍሲ ወከፍና በዚ ወይ በቲ ይጽውዓና፥ እንተኾነ ብዘሎና ዋኒን ተዋሒጥና አይንምልሰሉን።

“ኢየሱስ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ ይብሎ”? ብሓቂ ዘገርም ነገር ካብ ኢየሱስ ክትሰምዖ ከሎኻ ነዘን ቃላት። ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ዝሓቶ ሕቶ እዩ? እንታይ ኮን እዩ መልስና? አብዚ ዝሓለፈ ዓመታት መልሰይ ተቐይሩዶ? ሎሚ እስከ ኩሉ ሓዲግና ብጽሞና አነ ካብኡ ዝደልዮ ክሓስብ እሞ ክሓቶ። ብዙሕ ጊዜ ንሕና እንሓስቦ ኢየሱስ ካባና ዝደልዮ ነገር ኢና እንሓስብ ሎሚ ግን ንሕና እንደልዮ ክነግሮ እዩ ዝደልየና ዘሎ። እንታይ ክገብረልና ንደሊ? ነዚ ሕቶ ክሓተና ከሎ እንታይ ዓይነት መልሲ ኢና እንህቦ? እቲ አነ ዝሓቶ ውሽጣዊ ድለተይን አብ ሕይወተይ እንታይ ቀዳምነት ከምዝህብን እዩ ዘርኢ።

እዚ ዕዉር ንሕቶ ኢየሱስ “ጎይታይ ክርኢ እደሊ” ኢልዎ። እዚ ክርኢ እደሊ ዝብል ብዕሙቕ ዝበለ ክንርድኦ ንኽእል። ኩልና ክንርእዮ ዝግብአና ነገር እሞ ካብ ኢየሱስ ጥራሕ እንረኽቦ ነገር አሎና። ኩልና ክንርኢ ይግብአና።ብውሽጣዊ ዓይንና ክንርኢ እንተ ኸአልና ንኹሉ መገድና ክቕይሮ እዩ አብ ዓለም አብ ኩሉ ጠባይና ለውጢ ክነምጽእ ኢና። እቲ ድኹም ራኢና እዩ ንኢየሱስ ከይንፈልጥን ከይንርእን ከሊኡና ዘሎ ከምኡ ብኸመይ ከምንኸያት ጠፊኡና ዘሎ። እምብአር ክንሓትት ይግብአና።

ኢየሱስ ቀልጢፉ “ርአ” ይብሎ። “እምነትካ እዩ ዘሕወየካ። እምነትካ ምሕረት አምጺኡልካን ምሉእ ገሩካን ኢልዎ። ንሕና እውን ክንርኢ ዘኽእለና እምነት እንተ ዝህልወና አብ ሕይወትና ምልአት መምጽአልና ድላይና ምረኸብና። እምነት ዓይኒ ሕይወትና እዩ። ንእሽቶይ እምነት እንተ ሃልያትና ተአምራት ክንገብር ንኽእል። እምነት ማለት ከአ ብምሉእ አብ አምላኽ ምዃን እዩ። ንኹሉ ጽቡቕ ይኩን ክፉእ አብ ኢዱ አምቢራካ ሕይወትካ ምምራሕ።

እቲ ሰብአይ ክርኢ ምስ ከአለ እንታይ ገበረ፥ ሉቃስ ናይ ኢየሱስ ተኸታሊ ኮይኑ ንአምላኽ አመስጊኑ ይብለና።ንሱ ዝገበሮ ሓደ አብ ምሉእ ምርአይ ዝበጽሖ ገሩ፥ ንኢየሱስ አብቲ ጉዕዞ መገዲ ይኽተሎ፥ ብምሉእ እምነት ተኸታሊኡ ይኸውን። ካብ ሕጂ ንድሓር ዕዉር አይኮነን ለማናይ አይኮነን፥ አብ ዘፈር መገዲ ኮይኑ ዝልምን አይኮነን እንታይ ድአ አብ ጉዕዞ መገዲ ድሕነት ምስ ኢየሱስ ክጉዓዝ ዝጀመር እዩ። አብ መገዲ ~ ኢየሱስ እቲ መገዲ፥ ንኢየሩሳሌም ዝወስድ መገዲ እዩ ንሱ እዩ ትርጉም ናይ እቲ

መገዲ። እዚ ንኹልና ዝውሃብ መልሲ ነቶም ብሓቂ ክንርኢ እንደሊ እዩ። ሓቅን መንገድን ሕይወትን አነ እየ ይብለና። ምስዓቡ ምርአዩ ምኽታሉ የድልየና።

እቲ ሃብታም ሰብአይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝደሊ ዝነበረ ክርኢ አይከአለን ምኽንያቱ ንናይ ኢየሱስ ዕድመ ክቕበል ጸጊምዎ። ዘኬዎስ ግን ይርኢ ስለ ዝነበረ ንዕድመ ኢየሱስ ተቐቢልዎ። እዞም ክልተ ሰባት አብ ህይወትና አየናዮም ኮና ክምንጉዓዝ ዘሎና ክንርኢ ንኽእል። ሽዑ ዝሓሸ መገዲ ክንክተል ምእንቲ።

ሓዋርያት ኢየሱስ ክሓምም ክመውት ምዃኑ ምስ ነገሮም ክርድእዎ አይከአሉን ንሶም እውን ዑረት ነርዎም፥ ንኢየሱስ ክርድእዎ አይከአሉን። ሕማማቱን ሞቱን ናብ ዓወትን ክብርን ከም ዘብጽሖ ክርድኦም አይከአለን። ንሕና እውን አብ ሕይወትና ናይ አምላኽ ፍቕርን ሓልዮትን ብዙሕ ጊዜ ክንርኢ የጸግመና። ክርስትያን እየ ምባል እኹል አይኮነን።

አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ዘፈር መገዲ ቆምና ሓገዝ ንጽበ። አብ ወንጌል መገዲ ክብሃል እንከሎ አብ ኢየሱስ ዝወስድ መገዲ ማለት እዩ፥ ንሱ ኸአ ሓቅን ሕይወትን ዝርከቦ ማለት እዩ። ንኹሉ ምርአይ ጸጊሙና ናብ ኢየሱስ ዘምጽአና ንደሊ። ገልእዋን ብጥቓና ኢየሱስ ይሓልፍ አሎ ዝብል ንደሊ። ገልእዋን ከአ ባዕልና ክንፈልጥ ይግብአና ክንሓትት ይግብአና። ንኢየሱስ ክንርእዮ እንኽእል ዕምቆት ፍልጠትና ብዘየገድስ፥ አብ ቅድሚ ሰባት ዘሎና ክብሪ ብዘየገድስ፥ ዘሎና ትሕዝቶ ብዘየገድስ ንሕና ድኻታት ሓገዝ ከም ዘድልየና ክንእመን ከሎና ጥራሕ እዩ። ርእሱ ርእዩ ዝኸአል አሞ ዑረቱ ዘለለየ ጥራሕ እዩ ንኢየሱስ ክጽውዕ ዝኽእል።

ናይ ሎሚ ወንጌል እምብአር ብሓቂ ሓደ ተኸታል ክርስቶስ ክጉዓዞ ዘለዎ ጸሚቝ ከመይ ገርና ክንርኢ ከም እንኽእል አብሪሁ ዝነግረና ቃል እዩ። ሎሚ ንሰብ ከቢድዎ ዘሎ ዑረት ሕልናን አእምሮን እዩ ሰባት ንጸልማት ንክፍአት ንሕነ ምፍዳይ ወፊሮም ዓለምና አብ ዓዘቕቲ ጭንቀት ትርከብ። ዑረትና ተአሚና አብ ኢየሱስ እንተ ቐረብና ክንርኢ ኢና።

ሰንበት ዘአስተምህሮ ክብሃል እንከሎ ልብና ከፈትና መገዲ አምላኽ ክንምሃር ማለት እዩ። ነቲ ምንጪ ሓቅን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ሎሚ ክንረኽቦ ንጽዋዕ አሎና። ንቃሉ ክንምሃር ንመገዱ ክንሕዝ አሞ አብ መንጎና ዘሎ ንአምላኽ ዘሕዝን አርሒቕና ብርሃን ክርስቶስ ንልበስ። ነዚ የብቅዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.