2010-11-18 13:52:30

ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ማኅበር ተራድኦን ጉዳይ ገዓዝያን ዝሓሊ ማኅበር


ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር ኢጣሊያን ብዛዕባ ገዓዝያን ዝሓሊ ናይ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ማኅበር፣ ብሓባር RealAudioMP3 ካብ 2000 ዓ.ም. ክሳብ 2010 ዓ.ም. ዝምልከት ናይ ስደተይናታት ኩነታትን ብዝሕን ዝገለጽ ዘቐረቦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ፣ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ብዝተሳተፉ ናይ ካሪታስ ጨንፈር ኢጣሊያን ናይ ገስዓዝያን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ወከልቲ ኣብ ፍጻሜ ረቡዓዊ ትምህረተ ክርስቶስ ንቕዱስነቶም ከምዘረከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።

እቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ኣብ ኢጣሊያ ዝነብሩ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ብዝሒ መጻእተይናታት 5 ሚሊዮን ከምዝኾነን እንከመልክት፣ ብዛዕባ እዚ ሰነድ ኣመልኪቶም ናይ ገዓዝያን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበር ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ፐረጎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ዓሰርተ ዓመት ዘጠቓልል ብዛዕባ ኩነታትን ብዝሕን ስደተይናታት ዝምልከት ናይ መጽናዕቲ ሰነድ 50 ናይ ካሪታስን ናይ ስደተይናታትን ጉዳይ ዝሓሊ ማኅበራት ዝውክሉ ኣባላት ተወዲቦም ፍሉዩ መጽናዕትን ክትትልን ገይሮም ብዛዕባ ብዝሒ ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ ብግምት ዝግለጽ ካብ ምዃን ተሪፉ ብትኽክል ክፍለጥ ብዝብል ዕላማ ባህላውን ማኅበራውን ፖሊቲካውን ዕዮ ዘጣመረ ብዘይ ቅድመ ፍርድን ፖለቲካዊ ርእዮተ ዓለምን፣ ኩነት ስደተይናታትን ብዝሖም ዘነጽር ሰነድ ምዃኑ ኣረዲኦም። ቤተ ክርስትያን ወንጌላውን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ገይራ ብእተቕርቦ መምርሒ ነዚ ክፍሊ ኅብረተሰብ እተቕርቦ ሓልዮት ሰፊሕ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብታ ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቶም ብዓይኒ ፍቕርን ሓቅን መሠረት ስደተይና እቲ ኣብዚ እዋን ሓዳስ ከተማ እትሕነጸሉ እዋናዊ ትእምርቲ ተርእዮ ኅብረሰብ ምዃኑ ብዕምቆት ብምርዳእ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ጥሪ ዝብዕል መዓልቲ ገዓዝያን ዝስመረሉድ ሓሳብ ኢዩ ኢሎም።

ገዓዝያን ኩነታቶም ብዝሖምን ብሓፈሻኡ ባህላውን ማኅበራውን ፖሊቲካውን መልክዑን ንምትንታን ዝተገብረ መጽናዕቲ፣ ካብ ነዊሕ ዝነቐለ ካብ ኢጣሊያን ወጻእን ናይ ሥነ ገዓዝያን ሊቃውንቲ ዘሳተፈ ናይ ርሑቕ መደብ መጽናዕቲ ከምዝኾነን ሓቢሮም፣ እዚ ማኅብራውን ቤተ ክርስትያናውን ዕዮ ዝጠልብ ተርእዮ ኅብረተሰብ ዘስዕቦ ሰብኣውን ማኅበራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ፖለቲክውን ጽልዋ ጽን ዝበል ዕጉሥ መጽናዕቲ ምዃኑ ገሊጾም።

ብዙሕ ጊዜ ገዓዝያን ውዑይ ምስሕሓብ ዘኸተል ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ክርኤ እንከሎ ብኻልእ መዳይ ግን ነዚ ሓድሽ ኅብረተሰብኣዊ ተርእዮን ሥልጣኔኡን ከንብብን ክርዳእን ከጽንዕ ዝኽእል ባህሊ ምፍጣር የድሊ እንክብሉ ዝሓብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.