2010-11-16 14:34:22

ጉዳይ ክንክን ጥዕና ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ


ኣብ ፍትሕን ቅንዕናን ዝቖመ ሰብኣዊ ክንክን ጥዕና ብዓይኒ ካሪታስ ኢን ቨሪታተ-ፍቕሪ ብሓቂ ብዝብል ኣርእስቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረሰዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተመርሔ ጉዳይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕና ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝጠለቦ ዓለም ሓቆፍ መበል 25 ጉባኤ ዕለት 18 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ቫቲካን RealAudioMP3 ኣብ ዝርከብ ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽን ቀጺሉ ዕለት 19 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ድማ ኣብ ሥነ ኣበው ቤተ ክርስትያን መንበረ ጥበብ ኣውጉስቲኒያኑም ክካይድ ምዃኑ ትማሊ ንጎሆ ብዛዕባ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘውጽኦ መግለጺ ኣደጊፎም ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ካብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እቲ ጉዳይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝሓረዮ ናይ ኣኼባኡ ርእሰ ጉዳይ፣ ፍትሕን ሰብኣዊ ክብርን ዘማእከለ ከምዝኾነን ኣብቲ መበል 25 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዝበዝሑ ካብ እስያን ኣፍሪቃን ዝመጹ ብጠቅላላ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ካብ ዝተዋጽኣ 65 ሓገራት ዝመጹ 750 ተጋባእያን ክሳተፉ ምዃኖም ገሊጾም፣ ኣብቲ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ፣ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ቱርክሶን ብፁዕ ኣቡነ ኣማቶን ብፁዕ ኣቡነ ራቫዚን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ሰብ ሙያ ክንክን ጥዕናን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ እንክገልጹ፣ ኣብቲ መድረኽ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተረኽቡ ነቲ ጉባኤ ዘዳለወ ጉዳይ ክንክን ጥዕናን ሰብ ሙያ ሕክምናን ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ዝይግሙንት ዚሞውስኪ ኣገልግሎ ክንክን ጥዕና መሰል ኵሉ ምዃኑን እዚ ኣገልግሎት’ዚ ድማ ንዅሉ ብማዕረ ክቐርብን ኣብቲ ናይ ሕክምና ኣገልግሎት ፈጺሙ ዘይርከቦ ከባቢ እቲ ፈጺሙ ዘይግሃስ መሠረታዊ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክቐርብ ዘተሓሳስብን ሓደራ ዝብል ኢዩ ቢሎም፣ ኤኮኖሚያዊ ሥነ ምርምርን ዕደ ጥበባውን ምዕባለ ኣሳኒኻ እቲ ፈጺሙ ዘይግሃስ መሰል ክንክን ጥዕና ብማዕርነትን ብፍትሕን ቅንዕናን ንዅሉ ምቕራብ እናጸገመ ይኸይድ ከምዘሎን ድማ ብፅዕ ኣቡነ ዚሞውስኪ ጠቒሶም፣ ክንክን ጥዕና መሰል ኵሉ ፍጥረት ኢዩ ኢሎም።

ብዙሓት ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ስደተይናታትን ካብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን መድሃኒትን ምዕቡልን ኣገልግሎ ክንክን ጥዕና ናይ ምርካብ መሰል ተነፊግዎም ተነጺሎምን ብቐሊሉ ክሓዊ ብዝኽእል ሕማም እውን ንሞት ሓደጋ ተቓሊዖም ምሕዋዮም እናተኻእለ ንሞት ሓደጋ ከምዝቃልዑን እዚ ዓይነት ኢፍትሓዊ ተግባር ንኽውገድ ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለዩ ማኅበራታ ብ 117 ሺሕ ኣባይቲ ሕክምናታታ ገይራ ኣብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና እናተዋስኤት ፍትሕን ቅንዕናን መሪሕ ዝገብርን ንዅሉ ዝብል ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ክሰፈሕ እተካይዶ ጻዕሪ ዘነጽር ዓለም ለኻዊ ጉባኤ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.