2010-11-16 14:35:46

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅልውላው ኤኮኖምን መፍትሒኡን


ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣደባባይ ምስ ዝተኣከቡ በሸሓት ዝቑጸሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን መሪሖም ዘዕረግዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር RealAudioMP3 ፍጽሜ ነቲ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበላ ሓገራት ማኅበርን ተዓዘብትን ዕዱማት ሃገራት ዘዋስኤ ናይተን 20 ሓገራት ጉባኤ ብቐረባ ብምክትታልን መሠረታዊ መፍትሒ ቅልውላው ኤክኖሚ ሰብ ዘማእከለ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ሥነ ምግባር ዝተሰርተ ኤክኖሚ ምሕናጽ ምዃኑ ዘረድእ ኣብ ዘቅረብዎ ኣስተምህሮ፣ ኣቲ ዝተኻየደ ጉባኤ 20 ሃገራት ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታምን ዘሎ ጋግ ኣዚዩ እናገደደን ድኽነት ክንህርን ክሰፍሕን ክገድድን ሃብቲ ድማ ክብ የብል ከምዘሎን ዘስካሕክሕን ዘሕፍርን ጥምየት ብምስፋሕ ኣብ ልዕሊ ናይ ተፈጥሮ ከባቢ ዝወርድ ዘሎ ብከላን፣ ስእነት ሥራሕን ኣዚዩ ክብ ይብል ከምዘሎ ዝሕብር ምልክታ ዘርኣየ ኢዩ ከምዝበሉ እንክዝከር፣ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣስተምህሮ ኣመልኪቶም ኣብ ከተማ ሚላኖ ኣብ ዝርከብ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ናይ ሥነ ኤክኖሚ መምህር ናይ ሥነ ኤኮኖሚ ሊቅ ካሮሎ ደላሪንጋ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ናይተን በኢዳስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ዘካየዶ ጉባኤ ሕማቕ ኣብነት ከምዘርኣየን፣ ንምትሕብባር ድላይ ከምዘይብሎምን፣ ኃላፊነቶም ለቢሶም ረብሓ ኵሉ ኣምሪሖም ክዋፈሩ ድላይ ዘይብሎም ኮይኖም ኢዩም ተራእዮም። እዚ ድማ ብሔራዊ ሓቆፍ ረብሓ ንምርዋይን ውልቃውን ንዓይነትን ዝተመልኦ ናይ ኤክኖሚ ሰብ ሙያን ንርሑቕ ዘይጥምት ጸቢብ ኣረኣእያ ዘኸተሎ ቅልውላው ኤክኖሚ መፍትሒኡ ንጹር ኢዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣስተምህሮኦም ድማ ገሊጾምዎ ኢዮም። ኣቲ ቅልውላው ኤክኖሚ ንምፍታሕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣብ ሓጺር ናይ ኦፍይታ ጊዜ ዘንብር ጸኒሑ ግን ናብ ናይ ቁጠባ ውግእን ዝቕባቤ ተወዳዳርነትን ዝመርሕ ኢዩ። ስለዚህ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ናይ ግድን ምዃኑ ካብ ምርዳእን ናይ ግልን ብሔራዊ ሓቆፍ ረብሓ ማእከልነት ተላቒቕካ ንድኻታት ሃገራት ንምድጋፍ ዝብል መደብ ኤኮኖሚ መፍትሒ ኢዩ። እንተዘይኮነ ግን እቲ ቕልውላው ንምፍታሕ እናተባህለ ዝሕንጸጽ ኣብ መንጎ ድኻን ሃብታም ዘሎ ጋግ ኣዚዩ ዘዕብይ መደብ መፍትሒ ዘይኮነስ ሰለይ እናበለ ነቲ ዘሎ ናይ ኤኮኖሚ ሽግር ዘግድዶ ኢዩ ዝኸውን፣ ኣብ መግኖ ናይ ሕርሻ ኤክኖምን ኢንዱስትርን ኣገልግሎት መውሃብን ሓድሽ ውድን ኣገዳሲ ምዃን ቅዱስ ኣቦና ዝበለዎ ሓሳብ ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ኣብ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ዘተባብዕ ተቐባልነት ንዘለዎ መደብ ምዕባለ መገዲ ዝፈጥር እውን ኢዩ።

ንዓይ ጥራሕ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣብ ቅድሜኣዊ መጻኢ ንዅሉ ዝልክም ጥፍኣት ኢዩ ዝኸውን፣ ነበይንኻ ዝህብተመሉ ከይዲ ኤክኖሚ፣ ዝፈጥሮ ዕድላት ጸቢብ ስለ ዝኸውን ቅዱስ ኣቦና ከምዝበልዎ ንሓላፍነት ዘነቓቕሕን ንዅሉ ከም ሓደ ቤተሰብ ዝምልከትን ብሩህ መጻኢ ዘማዕድው መደብ ኤክኖሚ ጥርሕ ኢዩ መፍትሒኡ ኢሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.