2010-11-13 16:41:51

፮ ዘጽጌ 2003 (14 ጥቅ. 2010)


መዝሙር፡ ክርስቶስ ሰንበት ሰርዓ. . . . . ።

ንባባት፡ ሮሜ 11፡13~25፥ ራእ 12፡13~ፍ፤ ግ.ሓ. 11፡1~12፤ ማቴ 7፡20~ፍ።

ስብከት፡ “ዓፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ክያሃ፤ ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ”።

“ካብ ግብጺ ወይኒ ጊንዲ አምጻእካ፤ ንአሕዛብ አባሪርካ ንአኣ ተኸልካ አብ ቅድሚአ መገዲ(ቦታ) ጸረግካ (አሰናዶኻ”።

ማርያም ጸግዒ ስደተኛታት



፮ይ ሰንበት ዘመነ ጽጌ ክንዝክር ከሎና መጨረሽታ ሰንበት ናይ እዋን ጽጌ ምዃኑ ክንዝክር ይግባእ ስለዚ ምስ ማርያም ዘሎና ምቅርራብ ብዝያዳ ክንርእዮን ክነደልደሎን ክንሓስብ ምእንቲ። አብዚ ሰንበት ማርያም ጸግዒ ስደተኛታት እያ አብ ዝብል ሓሳብ ክነስተንትን ግቡእ ኮይኑ ይስምዓኒ፤ ምኽንያቱ 6 ሕዳር ብዓል ቍስቋም እዩ ማርያም ምስ ሕፃን ወዳን ቅ. ዮሴፍን ንምድሪ ግብጺ ዝተሰዱሉ ዝዝክር ዕለትን መዕጸዊ ዘመነ ጽጌ ስለዝኾነ። ቍስቋም ማርያም ንሕጻን ወዳ ሒዛ ካብ ዓዳ ካብ ቅትለት ሄሮዱስ ክትድሕን ዝተሰደትሉ እንዝክረሉ አጋጣሚ እዩ። ንፍሉይ መንፈሳዊ አስተንትኖ ዝሕግዝ ብፍሉይ ካብ ዓዶም ብዝተፈላለየ መገዲ ርሒቆም ንዝርከቡ።

ሕይወት ማርያም ስደትን ስቓይን ዝበዝሖ ከም ዝነበረ ትውፊትን ወንጌልን ይነግሩና። ነቲ መድኃኒ ዓለም እዩ እቲ ካባኺ ዝውለድ ዝብል ብስራት ምስ ተነግራ ምናልባት አምላኽ ፍሉይ ቦታ የሰናድወሉ ይኸውን አብ ኩሉ ሓልዮት አምላኽ ክህሉ እዩ፤ ዝብል ግምት ነርዋ ይኸውን እንተኾነ እትሽግር አብ ጊዜ ሕርሳ እዩ ጀሚሩ ክትወልዶ ከላ ንቡር ገዛ እትሓርሰሉ እውን አይነበራን። ምስ ተወልደ ሄረዱስ ንጉስ ሓያል ነዚ ዕሸል ክቐትሎ ከም ዝደሊ ምስ ፈለጡ ንሳን ቅ. ዮሴፍን ንሕፃን ኢየሱስ ሒዞም ንስደት አብ ዓዲ ጓና ከም ዝኸዱ ሉቃስ ይነግረና፥ ገዛኢ ሃገር ዝአክል ክቐትለካ ምውሳኑ ምስ እትፈልጥ ዘሕድረላክ ፍርሕን ጭንቀትን ኩልና ክንግምቶ ንኽእል፥ ከም ኩሉ ስደተኛ ዝረኽቦ ረኺባ ቅድስት ስድራ ነፍሳ ክተውጽእ ንስደት ከይዳ። አብዚ ብዙሓት ካባና አብዚ ንዝሓለፈ ሕይወቶም ርእዮም ምኽንያት መስደዲኦም ክዝክሩ ይኽእሉ፥ ብሃንደበት ሎም ለይቲ እንተዘይ ከድካ ክትቅተል ኢኻ/ኢኺ ተባሂሎም ዓዶምን ዝፈትውዎ ወገኖምን ሓዲጎም ዝተሰዱ ናይ እዋና ሓቂ እዩ፥ ዝወረዶም ጭንቂ ኩሉ ብቃላት ክትገልጾ ቀሊል እዩ ክትነብሮ ግን ከቢድ ኢዩ፥ ማርያም ምስ ወዳ ነዚ እያ ተመኪራ። ካብ ስደት ምስ ተመልሰት እውን ወዳ ክዋረድ ክንጸግ ብዙሓት ክጸልእዎ እሞ ክቐትልዎ ከም ዝደልዩ ምስ ፈለጠት ክንደይ ትሳቐ ነራ ትኸውን። አብ ጊዜ ሕፃንነቱ ሓደ እዋን ንግደት ንኽጽልዩ አብ ከተማ ኢየሩሳሌም ምስ ደየቡ አብ 12 ዓመቱ ጠፊእዋ ክትደልዮ ክንደይ ከም ተሸገረት ወንጌል ይነግረና። ብሓጺሩ ቃል አምላኽን ድሕነትን እናሰበኸ እንከሎ ዝወርዶ ዝነበረ ጸርፊ፥ ክሕደት፥ ተጻይነት አብ መጨረሽታ ሕይወቱ ብጭካኔ አብ ዕጸ መስቀል ክስቀል ክትርኢ እንከላ ዝተሰምዓ ጓህን ስቓይን ክትሓስቦ ዘጸግም አይ ኮነን። መን ምዃኑ ተኻሒዱ ንበይኑ ተሪፉ ክግዕር ክትርእዮ እንከላ አብ ልባ ከም ሰይፊ ኮይኑ ስቓይ ይወግአ ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ሕይወት ማርያም ፍሉይ ትርጉም ስቓይ ክንርዳእ ዝሕግዘና እዩ። ኩሉ ጊዜ ክንዝንግዖ ዘይብልና ሕይወት ማርያም ካብ ሕይወት ክርስቶስ ፈሊና ክንርእዮ የብልናን ከምኡ ምስ እንገብር ክንርድኦ ከጸግመና እዩ። ነዚ ክንርዳእ ሕይወት መድሓኒናን ተልእኮኡን ንመልከት።

ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ምድረ እስራኤል አብ ዝነበረልን ጊዜ ሓንቲ መዓልቲ አዕሪፉ አይፈልጥን ሰባት ብዝተፈላለየ መገዲ ነጺጎሞ ንትምህርቱ ምስማዕ አብዮም ነቲ አብ ቅድሚ ዓይኖም ዝርእይዎ ዝነበሩ ክቕበልዎ ፍቓደኛታት አይነብሩን። ብመስዋዕቲ ሞት ምእንቲ ኹሉ ሓሊፉ፥ ነታ ዘፍቅራ ወላዲቱ ናይ ሕድሪ ደቃ ኮና ምስአ ነቲ አብኡ ዘሎና እምነት ክንቅጽሎ እዚኦም ደቅኺ ፍረ መስዋዕተይ እናበለ አብአ አረኪቡና፥ ንአና ኸአ እዚአ አደኹም እያ ናትኩም ግበርዋ ደጊም ካብሕጂ ንድሓር ንሳ ጠባቓኹም እያ አብ መንጎኾም ኮይና ክትመርሓኩም እህበኩም አሎኹ እናበለ ሂቡና። ብሓቂ ነባሪ ህያብ ።

ጉዕዞ እምነት ክርስትና ማርያም መሪሓቶ እዩ ጀሚሩ። አብ መንጎ ሓዋርያን አደን ኮይና ንቤተክርስትያን መሪሓታ፥ አብ ኩሉ ስደት ውርደት ዝወርዳ ዝነበረት ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ትመርሓ ነራ፥ ዮሓንስ ወንጌላዊ ዕዉትን ምሩቕን ረድኢ ሕድሪ መምህሩ አይጠለመን ትውፊት ከምዝብለና አብ ምውዳእ ሕይወታ አብ ኤፌሶን ምስ ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ አብ ዓዲ ጓና ከም ዘሕለፈት ኢና እነንብብ። ንሳ ዝተፈላለየ ጸገማት ክጓነፋ እንከሎ ክተማርር አይትስማዕን፥ ተስፋ ክትቆርጽ አይትርኤን ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ ትሓድጎ።

ሕይወት ማርያም ብምልኡ አብ ትዕግስትን ትሕትናን ከምኡ ንድላይ አምላኽ ክትሰምዕ ክፉት ገራ እያ እትነብር ነራ። አምላኽ ምስጢሩ አካፊልዋ ንደቅ ሰብ ዘድሕን ካብአ ከም ዝውለድ ምስተነግራ አብ መጀመርያ ክትርድኦ ጸጊምዋ ግን መደቡ ከም ዝኾነ ምስ ተነግራ ሔራይ ከም ዝበልካዮ ይኹን እናበለት ተቐቢላቶ። አብ ገለ እዋን ከም ሰብ መጠን ክትርድኦ ዘይክአል ነገራት ክገጥማ ግድን እዩ ይኸብዳ እውን ነሩ ክኸውን እዩ ኮይኑ ግን አብ አምላኽ ሓንቲ መዓልቲ እውን ዘንጊዓ ስለ ዘይትፈልጥ ንኹሉ ብዓይኒ እምነት ትሓልፎ ነራ። ኩሉ ጊዜ ምስጢራዊ ክእለት አምላኽ ከም ዘሰንያ ትአምን ነራ። እምነታ ናይ ኩሉ ሕይወታ ምስጢር እዩ ነሩ።

ናይ ማርያም እምነት ንኹሉ ጸበባ ንኹሉ ስደት ከምኡ ሞት ወዳ ከም እትጸውር ገርዋ። አብ አምላኽ ዝነበራ እምነት ነቲ ብዓይኒ ሰባት ክትርድኦ ዘጸግም ርእያ ከም እትኽእል ገርዋ። እምነታ ዕለት ዕለት ይዓቢ ነሩ ቅዱስ ሉቃስ ንኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነበረት ይብለና። ንአምላኽ ክትሰምዕ ክትልአኽ ንነፍሳ ክፍቲ ኮይና ጽን ትብል ነራ። ስደት ንምድሪ ግብጺ ከቢድ ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። አብ መገዲ ከም ኩሉ ስደተኛ የጸግማ ነሩ እዩ። ሰባት ዝሕግዝዋ ነሮም ክትብል ቀሊል አይኮነን ዮሴፍ አብ ጎና ኮይኑ ይሕግዛ ነሩ አብ ትውፊት ሃገርና ሰሎሜ ምስአ ነራ ዝብል አሎ ብዝኾነ ግን አጻምእ በረኻ ሲናይ ክትጉዓዞ ቀሊል አይ ኮነን። ነዚ ክንሓሳብ ከሎና ፍሉይ ጦብላሕታ ከሕድረልና ይኽእል።

* ስደተ ዝከበደ ይኽበድ ጽንዓት መንፈስ የድልዮ። ማርያም እተስተምህሮ ተስፋ ከይቆረጽና ክንጉዓዝ ከም ዘሎና። ንኹሉ ጸገማት ፈተናታት ኲንኡ ርኢና ክንክእል እንከሎና ጉዕዞ ስደት አይከብደናን። አምላኽ ልዕሊ ኩሉ አቐሚጥና ሕይወትና እንተመራሕና ሽዑ አብ ዘሓጉስ ሕይወት ክንቀርብ ንኽእል። ናይ ማርያም እምነት አብ ዝኾነ እዋን ሰንከል ኢሉ አይፈልጥን ከምኡ ስለ ዝነበረት ንዝጓነፋ ዝነበረ ጸገማት ሓሊፋቶ።

* አብ ጉዕዞ ስደት ፈተና አሎ። ክትጉዓዝ ከሎኻ ተስፋ ቁርጸት፥ ጥመት ጽምኢ፥ ልዕሊ ኹሉ ንአምላኽ ምዝንጋዕ አሎ። ነቲ ዝጓነፈካ ጸበባ አብ አምላኽ ዘይምሕዳጉ ባዕልኻ ክትፈትሖ ምፍታን እዚ ንዓቕምና ይጽንቅቖ እሞ አብ ተስፋ ቁርጸት የብጽሓና። ካብ ማርያም እንምሃሮ ንኹሉ አብ ኢድ አምላኽ ምሕዳጉ ሽዑ አብ ርእስና ክንምለስ ክሕግዘና እዩ ንሱ ዝደለዮ ይኹን ክንብል ከሎና ነቲ ጸበባ ክንሓልፎ ኢና። አብ ጸልማት ከሎና ብርሃን ርኢና ክንክእል አሎና። ማርያም ነዚ እያ እተስተምህር።

* ሰማይ እዩ ዓድና አብ ጉዕዞ ስደተ ኢና ዘሎና። አብዘለና አሊና ሓንቲ መዓልቲ ክንሓልፍ ኢና እቲ ቁምነገር ምሕላፍና አይኾነን ከመይ ኮና እንከሎና እዩ እቲ እንሓልፎ መዓልቲ ዝመጸና። ምስ ምሉእ ስንቅና ከሎናዶ ወይስ ስንቂ ወዲእና አብ ካልእ መንፈስ ወዲቕና ከሎና እዩ እቲ ንዒ/ዓ አብዚ ሕለፊ/ፍ ዝብል ዝመጸና። ማርያም አይትዘንግዑ ጉዕዞ ሕይወትኩም አብ ትንሣኤ ከብጽሓኩም ይግባእ ትብለና።

* ሎሚ እውን አብነት ማርያም ክንክተል ይግብአና። ኩልና ካብ ዓድና ብዝተፈላለየ ወጺእና ዘሎና ብኸመይ መተገምገምና፥ ካብ ዓዱ ዝርሓቐ ብዙሕ እዩ ጸገሙ፥ ቁጠባዊ፥ ባህላዊ፥ እምነታዊ . . . .፥ ጸገማት ይጓነፍ። አብ ማእከል ባሕሪ ከም ምንባር እዩ። ብዙሓት አብኡ ጠሊቆም ይተርፉ በቲ ዝጓነፎም ተስፋ ብምቑራጽ፥ በቲ ጽቡቕ ዝረኸብዎ ነቲ ዝሓለፍዎ ጸበባ ዘንጊዖም ይነብሩ፥ ገለ ኸአ ነቲ ዝሓለፈ ረሲዖም አይትዘክረለይ እናበሉ ዝነብሩ አለዎ። ገልእውን ዓዶም ጥራሕ ይርአዮም እሞ አይ አብዚ አይ አብቲ ኮይኖም ይነብሩ። ክትግምግሞ ቀሊል ዘይኮነ ሕይወት እዩ። አብ ማርያም ምልስ እንተበልና መልሱ ንረክብ። ንሳ ንወዳ አብኩሉ ሓላፍነት ለቢሳ መጀምርያ ካብ ቅትለት ሄሮዱስ አድሒናቶ ንግብጺ ወሲዳ አድሒናቶ፥ ግዚኡ ምስ በጸ ንዓዱ መሊሳቶ ኩሉ ጊዜ ካብ ባህሉ ካብ ዓዱ አይፈለየቶን ስደቶም ወዲኦም ዓዶም ከም ዝምለሱ ኮይኖም። ማርያም ትመርሖ ነራ። ብሓላፍነት ንወዳ ሒዛ ንጸበባ ሓሊፋቶ ካባና ዝድለ ነቲ አምላኽ ሂቡና ዘሎ ርኢና ክንክእል እሞ ሽዑ አብ ዘለና አሊና ንኹሉ ጸርና ንዝበለጸ ሕይወት ክንሕዝ አብ መንጎ መንጎ ንጉዓዝ ከይንህሉ።

አብ ስደት ዝርከብ ኩሉ ዝቐስን አብ እምነቱ ጸኒዑ ክርከብ እንከሎ ጥራሕ እዩ። እሳራኤላውያን አብ ዝተፈላለየ እዋን ብምርኮ ብስደት ካብ ዓዶም አብ ዝወጹሉ ንስደቶም ትርጉም ረኺቦም እም ብተስፋ ከም ዝነብሩ ዝገብሮም ዝነበረ አብ አምላኽ ክምለሱ ከለዉ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ይነግረና። አብ ባቢሎን አብ ባርነት እንከልዉ ተስፋኦም አብ አምላኽ ምስኮነ ጥራሕ ይጸናንዑ ነሮም። ሎሚ ንሕና ካብ ዓድና ወጺእና እንርከብ ተስፋና አብ አምላኽ ገርና ስሩዕ ሕይወት ክንመርሕ ንደቅና ውርሻ እምነት ክነውርስ ሓላፍነት አሎና። ደቅና ብዝነፈሰ ንፋስ ተማሪኾም ካብ እምነቶም ካብ ባህሎም ካብ ወገኖም ይርሕቁ አለው ምኽንያቱ ንሕና ዓበይቲ ነቲ ንሕና ዝተቐበልናይ ሰናይ አይአሕለፍናሎምን አብ ሓዲግ ተሪፎም ይጽገሙን የጸግሙን አለዉ። ማርያም ንወዳ አብ ስደት ሓልያትሉ ኩሉ ባህሉ ነጊራቶ ልዕሊ ኹሉ ኩሉ አደ ንወዳ እትገብረሉ ገራትሉ እዚ እዩ ካባና ዝድለ ንደቅና ኩሉ ካባን ዝድለ ክንገብረሎም።

ሎሚ እምብአር አብ ቅድሚ ማርያም ቈምና ክነሓድሶ ዝግብአና ነገራት አሎ፡

1. መንፈስ ደቂ ማርያም ክህልወና። አደ ዘላቶ አይዝኽትምን እዩ ዘኽታማት መንፈስ አይንኹን ማለት ሓጢአት ማሪኹና ወሎዶና ከይንርስዕ ደቂ ማርያም ኢና። አደ ክትቅየር አይክአልን እዩ፥ አደና አይንቐይር፥ ነብኡ ዝመስል ንሰብ መሰለ፥ ነዲኡ ዝመስል ንዝጊ መሰል እዩ እሞ ነደና ንምሰል።

2. ጸሊና ክንክእል አሎና። ሕይወት ማርያም ሕይወት ጸሎት እዩ ነሩ ኩሉ ጊዜ ትጽሊ ነራ። ንሓዋርያት አብ ጽርኃ ጽዮን ብጸሎት ትመርሖም ነራ። አብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ምእንታና ከምእትጽሊ ልሙድ ርድኢት እዩ ነሩ። ሓደ ደቂ ማርያም ዘብለና ክንጽሊ ከሎና እዩ። ብግልና ብሓባር ክንጽሊ ይግብአና።

3. ንዝጓነፈና ስቓይ ተረዲእና ጸግዕና አምላኽ ንግበር። አብ ጽንኩር እዋን ብፍላይ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ክንርድኦ ዘጸግመና አብ አምላኽ ክንሓድጎ ከሎና ሽዑ ተመስገን ክንብል ክንክእል ኢና። ማርያም ንኹሉ ከም ድላይ አምላኽ ክኸውን ዘፍቀደት አደና እያ ስለዚ አብነታ ንከተል።

4. ማርያም ዝተሓወሰቶ ሕይወት ንምራሕ። ማርያም አብዘላቶ ወዳ አሎ ብዘይ ማርያም ዝምራሕ ሕይወት ዘኽታም እዩ ዝጎድሎ አልኦ። አብ ግላዊ ሕይወትና ንማርያም ቦታ ክንህባ ክንልምና ክንቀርባ ከሎና ኩሉ ክሰልጠና እዩ። ንአኺ ካብ ዝለመኑ ዝጠፍኤ የልን ከም ዝብሃል ንማርያም ድሕሪ ሒዝና መንገዲ ሰማይ ሒዝና ማለት እዩ።

በዚ ዘመነ ጽጌ አብ እንዓጽወሉ ዘሎና እዋን ፍሉይ ፍቕሪ ማርያም አብ ልብና አሕዲርና ዝተሓደሰ ሕይወት ለቢስና መብጽዓ ንእተወላ። ንሕና ደቅኺ ክንከውን ንስኺ አደና ኩንና ንበላ። ድኹማት ኢና መብጽዓና አብ ዝጠለምናሉ አበራትዕና አብ ወድኺ ዝመልሰና ጸጋ ለምንልና ንበላ። ፈቃር አምላኽና ብማርያም ገሩ ድሕነት ዝሃበና ሎሚ እውን ብአአ ገሩ ጸግኡ ሰላሙ ፍቕሩ የውርደልና። ምሕረት ወድኺ ክወርደልና ልምንልና እናበልና አብአ ንማዕቆብ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.