2010-11-11 15:22:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ተረኺቦም ካብተን ኣብ 2009 ዓ.ም. ከምኡ ድማ 2010 ዓ.ም. ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካብ ዝፈጸሙለን ሃገረ ረፓብሊክ ቸክን ኣብ ናይ ላዚዮ ክፍለ ሃገር እትርከብ ናይ ኣውራጃ ሮማ ከተማ ካርፒነቶ ሮማኖ ቅድስነቶም ንዝፈጸምዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ነኸመስግኑ RealAudioMP3 ምስ ዝመጹ ልዕሊ 2 ሺሕን 5 ሚእንትን ዝገመቱ መንፈሳውያን ነጋዶ ተራኺቦም ሰላምታን ቡራኬን ሂቦም ምስ ተፋነዉ፣ ከምቲ ልሙድ ትማሊ ረቡዕ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካብ ወጻእን ውሽጥን ንዝመጹ ብጠቅላላ ልዕሊ 8 ሺሕ ንዝግመቱ ምእመናን ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ስፐይን ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ተመክሮ ከምዘካፈሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ስፐይን ዝተገብረሎም ምዉቕ ኣቀባብላን መስተንግዶን፣ ዝቐረበሎም ናይ ምሕዝነት ኣቀባብላን ሕዝቢ ስፐይን ቓሎም ንምስዓብን ኣብ ተልእኾኦም ንምትሕባርን ድልው ምዃኑ ዘረጋግጹ ምልክት ምዃኑን ሓቢሮም፣ እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ነቲ ሓዋርያት ዘመሓላለፉልና ሓድስ ኪዳን ኣብ ኩሉ ኩነት ኅብረተሰብ ነፍሲ ወከፍና ብቓልን ሕይወት ኣብ ክርስቶስ ዘሎና እምነት ብዘይሕለል መስከርትን ኣብሰርቲ ንኽንከውን ዘብቖዓናን ብኻልእ ብዘይ ናይ ምትካእ ፈተናን እናኢስካ ብዘምርኣይን ኣብ ካልእ ረብሓታት ከየንበርከኽና እሙናት ዓቀብቱ ኮይና ክንርከብ ይግብኣና ኢሎም።

እቲ ጎዕዞ ሳንቲያጎ፣ በቲ ኣብዚ እዋን ብዘይርኤይ መገዲ ዝንጋዔ ዝፈጥሩ ልምድታት ከም ተራን ኣጋጣምን ከይሓሰብና እቲ ሕያውን ገርሄይና ትርጉም ሃይማኖትን መንፈሳውነትን ንስሓን ዘንጸባርቕ መንፈስ ሕጂ እውን ኣብ ናይ ሎሚ ኤወሮጳ ከም ኣብነታዊ ምልክታ ኮይኑ ክቕጽል ኣብቲ ቅዱስ ሥፍራ ተረኺቦም ናይ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን ናይ ሓሳብ ጸሎቶም ከምዝገበርዎን ሓቢሮም፣ ኤውሮጳ ልባታ ወትሩ ንእግዚኣብሔር ክፉት ክትገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ ነቲ ደረት ሰገር ክፉት ናይ ምዃን ባህርይ ክዕቀብን ክበራታዕን እዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን፣ ፖለቲካን ሃይማኖትን፣ ኤኮኖምን ሥነ ምግባርን ዘሎ ርክብን ዘተን ፍርያማ ዝገብርን ኤወሮጳ ነቲ መሠረታዊ ዝኾነ ክርስትያናዊ መበቆላ እምንቲ ክትኸውን ኣብ ዓለም ንጸዋዕታኣን ተልእኾኣን ብምልኣት ኣወንታዊ መልሲ ክትህበሉ ዘብቕዓ ኢዩ ኢሎም።

ቀጺሎም እታ ኣብ ባርቸሎና እትርከብ ሳግራዳ ፋሚሊያ ማለት ቤተ መቕደስ ቅድስቲ ቤተ ሰብ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘኪሮም ውበትን ዕብየትን እቲ ቅዱስ ሥፍራ ኣዚዩ ከምዝማረኾምን፣ እቲ ቅዱስ ሥፍራ ዘለዎ ሥነ ጥበባዊ መልክዕን ቀለማቱን ብሓቂ ካብ ዓሚዩቕ እምነት ዝፈልፈለ ጥበብ ሥነ ሕንጻ ምዃኑ ከምዘረጋገጹን፣ ናይ ሥነ ሕንጻ ሊቅ ኣንቶኒዮ ጋውዲ ዘለዎ ናይ ሥነ ንድፊ ክእለትን ዘለዎ መንፈሳውነትን ዘንጸባርቕ እኳ ኣንተኾነ ናብቲ ስሌና ክርስቶስ ኣብ የማን ኣቡኡ ተቐሚጥሉ ዘሎ ሰማያዊ ቅዱስ ሥፍራ ከነማዕድው ዘነቓቕሓና ኢዩ ኢሎም።

ጋውዲ እቲ ሥነ ጥበባዊ ክእለቱ ነቲ ፍጹም ውበት ኣገልግሎት ከውዕሎ ምኽኣሉ ኵሉ ብቕዓቱን ኅልውናኡን ዘንብረሉ ተልእኾ ገይሩ ስለ ዝሓሰቦ ኢዩ። ስለዚ ናይዚ ቅዱስ ሥፍራ ሕንጻ ሥራሕ ሽቶኡ ክወቅዕ መታን ብጸሎትን ጾምን ድኽነትን ተጸሚዱ ብመንፍሳዊ ምቅርራባት ዘሰነዮን ኣብቲ ክውን ግኡዝ ናይ ብሓቂ ክግመትን ክብጻሕን ዘይከኣል ናይ እግዚኣብሔር ምሥጢር ከምዘሎ ዘረድኤ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.