2010-11-11 15:31:15

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ፣ ሥነ ምርምር ኣብ ኣገልግሎት ሰብ


ሮማ ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ፒዮስ ዓሥራይ ናይ ቅዱስ ፒዮ በዓል ፔትረልቺና ተግባር ካብ ስቓይ ንምልቓቕ ሓገዝ ዝወሃበሉ ቤት ብዛዕባ ሓንጎላዊ ሱር ዝግበር ናይ ሥነ መትኒ ምርምር ኅዳሴ ንምትብባዕ ኣብ ዝብል ዕላማ ኣማእኪሉ “ሸቶ፣ ሰብ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽካየድ ዘዳለዎ ናይ ሥነ ሕክምና ሥነ ምርምር ዓውደ መጽናዕቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር RealAudioMP3 ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ መርሕነት ተሰንዩ ከምእተኻየደ ክንገረ ኣንከሎ፣ እዚ ትማሊ ዝተኻየደ ናይ ሥነ ሕክምና ሥነ ምርምር ዓውደ መጽናዕቲ፣ ርእየት ምሉእነት ሰብ ዝዓሰሎ ክኸውን ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ኣብቲ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ሥነ ምርምርን ሥነ ሕክምናን ክኽበር ኣለዎ ኢሎም፣ እንተኾነ ግን ሕክምና ይዅን ሥነ ምርምር ኣልቦ ርእየት ምሉእነት ሰብ ክኸውን ከምዘይብሉን፣ ዘቕርቦ ኣገልግሎት ክንክን ክብሪ ሰብ ማለት መንፈሳውነትን ተራኻቢ ባህርይኡን ዘማልእ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ እንክንገር፣ ከምቲ ቅዱስ ፓድረ ፒዮ ንሕሙማን ዝቐርብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ደገፍን ዝተኸተሎ ኣገባብ ክብሪ ሰብ ዘኽብርን ንርሑቕ ዘማዕድው ክኸውን ኣለዎ ዝበልዎ ዘኪሮም፣ እዚ መበል 50 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ቅዱስ ፒዮ ዝመሥረቶ መእለዪ ሕሙማን ዝኣመቶ ዕላማ ኢዩ፣ ውትሩ ክኽበር ድማ ሓደራ ኢሎም።

ዝኾነ ይዅን ዓብይን ንእሽተይን ቤት ሕክምና ኣብ ናይ ሥነ ሕክምና ምዕባለን ናይ ሥነ ምርምር ከይድን ሥነ ምርምር ኣብ ዘዕተሮ ዕደ ጥበባዊ ምዕባለ ጥራሕ ዝግደስ ዘይኮነስ እዚ ዅሉ ምዕባሌ በቲ ቅዱስ ፒዮ ሓደራ ዝብልዎ ወንጌላዊ ፍቕሪ ክምራሕ ኣለዎ ምስ በሉ፣ ቀጺሎም እታ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ስፐ ሳልቪ ሮሜ ምዕራፍ 8 ፍቕዲ 24 በተስፋ ኢና ዝደኃን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ኣደጊፎም ሥነ ምርምር ዓለምናን ሰብን ሰብኣዊነት ክዓስሎ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ከበርክት ይኽእል ኢዩ። ሥነ ምርምር ዘለዎ ዕቑር ሓይሊ ተለልዩ ናብ ሰናይ እንተድኣ ዘይተመሪሑ በንጻሩ ዓለም ሰብን ከዕንው ዝኽእል ኢዩ፣ ስለዚህ እቲ ዘድሕን ሥነ ምርምር ዘይኮነስ ፍቕሪ ኢዩ ኢሎም።

ኣስዒቦማ እቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ቤት ሕክምና ሕፃን ኢየሱስ ኣብ ዘሎ ናይ ሕጻናት ቤት ሕክምና ዝሓለፈ ሰሙን ዘጓነፈ ሓደጋ ባራዕ ሓዊ ዘኪሮም፣ እቶም ናይቲ ቤት ሕክምና ሓኻይምን ካልኦት ሠራሕተይናታት ብዘቕረብዎ ሕጹጽ ረድኤት፣ ነቶም ኵሎም ኣብኡ ዝርከቡ ሕሙማን ሕጻናት ካብ ሓደጋ ከድሕኑ ብምኽኣሎም ንኣግዚኣብሔር ኣመስጊኖም፣ እዚ ባርዕ ሓዋ ዘኸተሎ መጉዳእቲ ብሕጹጽ ዳግም ተሓዲሱ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ተስፈይናታት ኢና ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይ ኢጣሊያ ሚኒስትር ክንክን ጥዕና ፈሩቾ ፋዚዮ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይ ካቶሊክ ኣባይቲ ሕክምናን ሓኻይም ገዳማውያንን ደናግልን ካህናትን ኣብ ምቕራብ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘበርክትዎ ኣስተዋጽኦን መተካእታ ዘይብሉ ኢዩ እንክብሉ ንኢዶም ኣገዳሲ እውን ኢዩ ከምዝበሉ ክንገር እንከሎ፣ ናይ ማንፍረዶኒያን ቪየስተን ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሚከለ ካስቶሮ ታሪኽ ናይቲ ቅዱስ ፒዮ በዓል ፔትረልቺና ድላይ ዝተመሥረተ ቤት ሕክምና ታሪኽ ዝዳሕሰሰ ዘረባ ከምዘስምዑን፣ ናይ ተኅዋስ ሥነ መፈለምታ ሊቅ ናይቲ ቤት ሕክምና ናይ ሥነ ምርምር ጉዳይ ዋና ኣመሓዳሪ ኣንጀሎ ቨስኮቮ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ኣስተምህሮ ድሕሪ ምቕራቦም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ኢጣሊያ ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለምና ብዛዕባ ሓንጎላዊ ሱር ሥነ ምርምር ዓበይቲ ተበጽሖታት ከምእተረጋገጹን ድሮ ሰብኣዊ ሓንጎላዊ ሱር ብሥነ ምርምር ከምእተመርተን፣ ንኽንክን ጥዕና ኣገልግሎት ማለት ናይ ሥነ መትናዊ ሕማማት ንምውጋድ ኣገልግሎት ዝውዕል ምዃኑን ጠቒሶም፣ ካብ ምምራት ድሮ ነቲ ዝተረኽበ ናይ ሥነ መትናዊ ሥነ ምርምር ኣብ ኣገልግሎት ንምውዓል ሞከራታት ይግበረ ኣሎ ኢሎም።

ናይ ተርኒ ናርኒ ኣመሊያ ሊቀ ጳጳስ ናይ ኔውሮቶን ማኅበር ሊቀ መንበር ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም እምነትን ሥነ ምርምርን ሥነ ምግባርን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዓሚዩቕ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.