2010-11-09 15:22:31

ኣብ መንጎዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግብር ዘተ


ኣብ ኢራን ርእሰ ከተማ ተሄራን እስላማዊ ባህልን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ርክባት ማኅበራት በቢ ዓመቱ ዝካይዶ ናይ ሓባር ዘተ እነሆ ሻብዓይ ዓመታዊ መደብ ርክብ “ሃይማኖታትን ማህበርሰብን፦ ክርስትያናውን ምስልምናዊ ተስፋ ዝንበርሎም ትጽቢታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ተሰንዩ ሎሚ ከምእተጀመረ ክንገር እንከሎ፣ ኣብዚ ናይ ሓባር RealAudioMP3 ዘተ እትሳተፍ ብናይቲ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዝተመርሕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ጉጅለ ይሳተፍ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ዕለት 11 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ዝዛዘም ናይ ሓባር ዘተ፣ ብሰለስተ ንኡሳን ኣርእስታት ዝምራሕ ምዃኑ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝገበር ዘተ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ከምዘመልከቱን ተሓቢሩ። ኣብዚ መደብ ናይ ሓበር ዘተ ዋና ጸሓፊኦም ብፁዕ ኣቡነ ፔየር ልዊጂ ቸላታን ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ምስ ናይ ምስልምና ሃይማኖት ዝገበር ዘተ ዝከታተል ቤት ጽሕፍት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ካለድ ኣካሸሕ ይሳተፉ ከምዘለዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ኢራን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብናይ ኢራን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ናይ ከለዳውያን ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ሰበኻ ተሄራን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ራምዚ ጋርሙን ናይ ላቲን ሥርዓት እትኽተል ናይ ኢስፓሓን ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ተሓባባሪ ክቡር ኣባ ፍራንቸስኮ ፒሪሲ ተወኪላ ክምእትሳተፉ እውን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልከት፣ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሎሚ ርክብ እቲ ጉባኤ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ሓበር መግለጺ፣ ኣብ ፍፃሜ እዚ ናይ ሓባር ዘተ ኣብ ቴሄራን መንበረ ጥባብ ተመሃሮን መምሃራንን ዝዋስእሉ ተስፋ ዝግበረሎም ክርስትያናዊ ትጽቢታት ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝተመርሔ ዓውደ መጽናዕትን ዘተን ክካይድ ምዃኑ አመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.