2010-11-09 16:47:22

ርሊጳ በነዲክቶስ ካብ እስጳኛ ተመሊሶም፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ እስፓኛ አብ ሳንትያጎ ደ ኮፖስተላን ባርሰላኖናን ናይ ክልተ መዓለቲ ሐዋርያዊ ዑደት ፈጺሞም ቅድሚ ትማሊ ምሸት ናብ ሐዋርያዊ መንበራቸው ከም ዝተመልሱ ዝዝከር ኢዩ።

እዚ አብ እስፓኛ ዘካየድዎ ሐዋርያዊ ዑደት መበል ዓሰርተ ሾሞንተ ሀገራት ሐቆፍ

ዑደት ከም ዝኾነ ዝዝከር ኢዩ ።

ቅድስነቶም ካብ ባርሰሎና ናብ ሐዋርያዊ መንበሮም ንቫቲካን ክነቅሉ ከለዉ ነቶም ዘፋነውዎም ናይ ቤተክህነትን ናይ ምንግስትን ላዕሎዎት ሐለፍቲ ዲስኩር ከም ዝገበሩ ክምልከት ከሎ ፡ እስፓኛ ዘለዋ ጥንታያዊ መንፈሳዊ ውርሻ ክትዕቅብ አተሐሳሲቦም።

አተሐሒዞም አብ ሳንትያጎ ደ ኮምፖስተላን ባርሰሎና ጥራሕ እኳዑደት እንተገበርኩ ብጸሎትን መንፈስን ንምሉእ ህዝቢ እስፓኛ ከም ዝጽልዩን ሐዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝህቡን አመልኪቶም።

ብናይ ባርሰሎና ሊቀ ጳጳስ ብብጹዕ ካርዲናል ሲስታሽ ዝምርሑ ናይታ ሀገር ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ እስጳኛ ንጉስ ኹዋን ካርሎስ ምስ በዓልቲ ቤቶምን አብ ሀገራት ሐቆፍ መዕረፍ ነፈርቲ ባርሰሎና ተረኺቦም ከም ዘፋነውዎም ቅድሚ ምንቃሎም ክአ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ዛፓተሮ ተራኺቦም ሐሳብ ንሐሳብ ከም ዝተለዋወጡን ተፈለጢ አሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ትማኢ አብቲ አብ ባርሰሎና ዝርከብ ብ1892 ብብፅት ካርመን ደል ኒኞስ ኸሱስ ጎንጻለስ ራሞሽ ዝተመሥረተ አላዪ ንዘይብሎም አካለ ጐደሎ ሕጻናት ዝአሊ ጥንታዊ ማሕበራዊ ተቅዋም ከም ዝበጽሑ ክዝከር ከሎ ፡ ነቲ ተቅዋም አብ ዝበጽሕሉ ግዜ በቲ ንሕጻናት ዝግበር ክንክን ከም ዝተሐጎስን ከም ዘድነቅዎን ክርስትያናዊ ግብሪ ከም ዝርአዩ ዝተዓዘቡ አመልኪቶም።

ንሐደ አብ እምነት ክርስትና ዝአምን ሐደ ሰብ ክምኡ ክቡር ምዃኑ ምሰሉ ክግሃስ ከም ዘይብሉ አብ ዝሽግር ግዜ ክርዳእ ከም ዘለዎ ዝአምን ኢዩ እሞ ኣዚ ቅድሚ ሚእቲ ዓመታት ዝተመሥረተ ተቅዋም”ዚ ናይ ግብረ ሰናይ ተቅዋም ከም ዝኾነ ከም ዝተረድኡን በቲ ንአላዪ` ዝስአኑ ሕጽናት ዝህቦ ክንክን ከም ዝተመሰጡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አገንዚቦም።

እቲ ዝተጸገሙን ንሕሙማትን ሕጻናት ትህብዎ ሰብአዊ ሐገዝ ንዓይ ኢኩም ሂብኩምኒ ዝበሎ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ጠቂሶም ክአ እነሆ ንክርስቶስ ህያብ ክውሀቦ ብምርአየይ ረውየ ፡ ነቲ ማሕበራዊ ተቅዋም ዘማሐድራ ደናግልን ነቶም ብፍቃዶም ዝተሐባበሩ ሰራሕተኛታት አመስጊኖምን ብልቢ አመስጊኖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ ቅድሚ ትማል ድሕሪ ቀትሪ አብቲ ማሕበራዊ ተቅዋም ተግባረ ሰናይ ክበጽሑ ምስ ከዱ ሐንቲ ካብቶም አብኡ ተዓቂቦም ዘለዉ አላዪ` ዝስአኑ አካለ ስንኩላን ሕጻን ፡ ዝተፈኹም ቅዱስ አቦና ብስመይን ብስም ብጾተተን ክትበጽሑና ብምምጻእኩም ብልቢ ነመስግነኩም

ጥልቂ ሐጎስ ክአ ይስምዓና ወላኳ በቲ ዘለና አካላዊ ጸገም ካብ ካልኦት ፍሉያት እንተዀና ከምቲ ካልኦት ክፍተዉ ዝደልዩ ንሕናውን ዘፍቅረና ዝፈትወና ሰብ ንደሊ ኢላ ዘስምዔቶ ቃል ልቦም ከም ዝተንከፎም አረዲኦም።

ቅድስነቶም ነቶም ሕጻናት ዝተፈኹም ሕጻናት ሕጂ ክፋነወኩም ከለኹ አብ ልበይ ሰፊርኩም ከም ዘለኹም ከረጋግጸልኩም ይፈቱ ወትሩ ክአ ምእንታኹም ክጽሊ ኢየ።ንስኻትኩም ክአ አብ ዕለታዊ ጸለኦትኩም ተዘከሩኒ ። ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ኩሉ ግዜ ምስና ኢዩ”ሞ ዝተመስገነ ይኹን ብማለት ተፋንየሞም።

ነተን ነቲ ግብረ ሰናይ ማሕበራዊ ተቅዋም ዘካይዳ ደናግል ክአ እንደገና አመስጊኖመን ብሐባር ክአ ሐጺር ሥርዓተ ጸሎት ፈጺሞም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል ዓስርተ ሽዱሽተ ንመንበረ ሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ካብ ዝስየሙ እስጳኛ ክበጽሑ እዚ ናይ መጀመርያ ግዚኦም ከም ዝኾነ ክፍለጥ ከሎ ፡ ቅድሚ ትማሊ ሰንበት ሸውዓተ ሕዳር ቅድሚ ቀትሪ አብቲ አብ ባርሰሎና ዝርከብ ጥንታዊ ካተድራል ቅድስቲ ስድራ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ነቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝተኸታተሎን ይዝከር።

እዚ ካተድራል ቅድስቲ ስድራ”ዚ ቅድሚ 130 ዓመታት ብ1874 ከም ዝተጀመረን ገና ይስራሕ ከም ዘሎን ብ2020 ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ካተድራል”ዚ በቲ ብዓለም ዝተፈልጠ ብዓሰርተ ትሽዓተ ክፍለ ዘመን ዝነብር ዝነበረ አንቶንዮ ጋውዲ ዝተባህለ ውሕሉል ናይ ሥነ ሕንጻ ጠቢብ ከም ዝተጅመረ ዝዝከር ኢዩ።

ብሕታውያን ለጋሳት ብዘወፍይዎ ገንዘብ ይስራሕ ከም ዘሎን አብ ዓመት ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ በጻሕቲ ከም ዝቅበልን ፍጹም ዘደንቅ ከም ዝኾነን አብ ክብርን ባህልን ክርስትና ተመሥሪቱ ከም ዝተጀመረ ተነጊሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ነቲ ነቶም ናይ ሥነ ህንጻ ውሐለ ንአንቶንዮ ጋውዲ ዘኪሮም አመስጊኖም ከም ዘወደስዎም ክአ ተፈሊጡ አሎ ።

ቅድስነቶም አብቲ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት 2011 ወርሒ ነሐሰ አብ ናይ እስፓኛ ርእሰ ከተማ ማድሪድ ዝኽበር ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ንክሳተፉ ንእስፓኛ ከም ዝምለሱ ተፈሊጡ አሎ።








All the contents on this site are copyrighted ©.