2010-11-09 15:24:00

ሥድራ ቤት ታሪኽን ናይ ኵሉ መጻእን


ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሚላኖ ናይ ኢጣሊያ ብሔራዊ ማኅበር ሥድራ ቤት “ሥድራ ቤት ታሪኽን ናይ ኵሉ መጻእን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ሓፈሻዊ ዓመታዊ ጉባኤ የካይድ ከምዘሎ ክንገር እንከሎ፣ RealAudioMP3 እዚ ጉባኤ ንናይ ሥድራ ቤት ሓልዮት ዝኣመተ ፖለቲካ ክነቓቓሕ ብዝተፈላለየ መዳይ ሓሳባት ዘቕርብን መንግሥቲ ንናይ ሥድራ ቤት ጉዳይ ዝኽተሎ ፖለቲካ ዝግምግም ጉባኤ እውን ኢዩ።

ናይ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ናብቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ብዙሓት ሥድራ ቤት ብስእነት ሥራሕን ብዘጋጥሞም ኤኮኖሚያዊ ቅልውላው ምኽንያት ካብ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ መዳያት እናተነጸሉ ኣብ ከቢድ ሽግር ወዲቖም ከምዝርከቡ ኣመልኪቶም፣ ንናይ ሥድራ ቤት ኤኮኖሚ ዝሓሊ ፖለቲካ ክተባባዕ ከምዝተሓሳሰቡ እንክንገር፣ ኣብ ኢጣሊያ ንዝመርሕ ዘሎ መንግሥቲ ወኪሎም ነቲ ጉባኤ ዘረባ ብምስማዕ ዝኸፈቱ ናይቲ ዝመርሕ ዘሎ ናይ የማን ፖለቲካ ርእዮት ዝኽተል ናይ ነጻነት ሕዝቢ ፖሊትካ ሰልፊ ኣባል ብዛዕባ ሥድራ ቤት ጉዳይ ዝሓሊ ፖሊትካ ተጸዋዒ ምኽትል ጠቅላይ ሚኒ. ጆቫናርዲ እንክኾኑ ንሥድራ ቤት ዝድግፍ ናይ ኤክኖሚ ፖለቲካ ክተባባዕ ብፍላይ ድማ ብዝሒ ኣባላት ሥድራ ቤት ኣብ ግምት ዘእትው ናይ ኤክኖሚ ፖለቲካ ክረጋገጽ ከተሓሳስቡ እንከለዉ፣ ኣብቲ ጉባኤ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ መንግሥቲ ዝኽተሎ ናይ ፖለቲካ ርእዮተ ዓለም፣ ብዘየገድስ ሥድራ ቤት ዘማእከለ ፖለቲካ ወትሩ ህልው ክኸውን ኣተሓሳሲቦም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ኤክኖሚ ቅልውላው ኣዚዩም ዝተጠቕዑ ሥድራ ቤት ሕጹጽ ድጋፍ ክቐርበሎም ሓደራ ከምዝበሉ ተሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.