2010-11-06 13:06:55

ቡልጋሪያ፣ ናይ ኤውሮጳ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን


ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ዝሓቍፍ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድጋፍ መሠረት ኣብ ቡልጋርያ ርእሰ ከተማ ሶፊያ መበል 13 ናይ ኤውሮጳ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ RealAudioMP3 ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ጉባኤ ቅድሚ ትማሊ ከምእተጀመረ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ቤተ ክርስትያናዊ መምዘኒ ኣብ ናይ ሎሚ ምሥራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ኣመልኪቶም ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፔስትን ሊቀ ጳጳስ ናይ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከባ ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ዘራኽብ ጉባኤ ዝጸንሔ ልምዲ ምዃኑን ዘኪሮም፣ ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ብትሕቲ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሓልዮትን ተገዳስነትን ክካየድ ከምዝጀመረን፣ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስትያን ዝብል ቃልን ብተወሳኺ ፍሉይ ቤተ ክርስትያን ዝብል ቃል ብዝተፈላለየ ትርጉምን መልክዕን ይጥቀመሉ፣ እዚ ድማ ቤተ ክርስትያናዊ መምዘኒ ኣብ ናይ ሎሚ ምሥራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ንምዝታይ ከምዝደረኸን ኣረዲኦም። ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዘን ናይ ምሥራቕ ሥርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስትያን ፍሉይ መለለይኤን ሊጡርጊያዊ ሥርዓትን ሥነ መንፈሳውነትን ቲዮሎጊያን መምርሕን መሠረት ፍሉይ ቤተ ክርስትያን ዝብል መጸውዒ ከምዝሃበንን፣ ቀጺሉ እውን ልኡላዊ ሕጊ ዘለወን ኣቢያተ ክርስትያን ዝብል ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ምሥራቕ ኣቢያተ ክርስትያን ቀኖና ዝጥቀመሉ መግለጺ መሠረት ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን፣ ኣቢያተ ክርስትያን ዘለወን ኅብረትን ውህደት ዘንጸባርቕን እቲ ኣብተን ምሥራቓውያን ካቶሊክ ኣቢያተ ክርስትያን ዘሎ ናይ ቤተክርስትያናዊ መምዘኒ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብዘን ኣቢያተ ክርስትያን ብኸመይ ይንበር ኣብ ዝብል ነጥቢ ዝመያየጥን ከምኡ ድማ ኣብ ቡልጋርያ ዝተወልደ ሥርዓት ቢዛንታይን ስላቭ ሊጡርጊያዊ ሥርዓት መበል 150 ዓመት ብሓባር ንምኽባር ከምዝኾነ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.