2010-11-04 15:35:00

ጸሎት ቅዱስ ኣቦና ኣብ መቓብር ሥፍራ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት


ብናይ ላቲን ሥርዓት ባህረ ሓሳብ መሠረት ዕለት 2 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ኣብ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ኵሎም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩ ብኵላውነት ደረጃ ተዘኪራቶም ከምዝወዓሉ እንክፍለጥ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 በታ ዕለት ምኽንያት ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ድሕሪ ቀትሪ RealAudioMP3 ሰዓት 06 ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ትሕቲ መሬት ናብ ዝርከብ ናይ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት መቓብር ሥፍራ ብምኻድ ጸሎት ከምዘዕረጉ ናይ ቅስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

ቅዱስነቶም ምእንቲ ሙታን ኣርእስተ ሊቃ ጳጳሳት ጸሎት እንከዕርጉ እቶም ዝሓለፉ ተኸተልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ትንሳኤ ሙታን ብተስፋ እናተጸበና ንምሕረት ኣምላኽ ነማዕቝቦም፣ እቶም በቲ ዝተቐበልዎ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሥልጣን ንዅላዊት ቤተ ክርስትያን ዘገልገሉ ዝሓለፉ ኣርእስተ ሊቃ ጳጳሳት ኣብቲ ዘለዓለማዊ ሰማያዊ ሊጡርጊያ ክሓብሩ መታን እግዚኣብሔር ክፈቕዶ ጸልዮም።

ቐጺሉ ድሕሪ እቲ ኵሉ ናይ ጸሎት ሓሳባት ቅዱስ ኣቦና ዘጠቓልል፣ ሓልዮት ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያኑን ኣብኣ ኣቲ ናይ ቅድስና ድላይ ክነቓቓሕን ካብ እግዚኣብሔር ዝረሓቐ ናይ ልቢ ምልዋጥ ክጽገውን መንእሰያት ካብ ገዛእ ርእስኻ ምውፋይ ንዝምንጭ ሓጎስ ስንድዋት ዝገብሮም ሕንጸት ክረኽቡን እቶም ብድኽነት ኣብ ጭንቅን መከራን ዝርከቡ፣ እቲ ኣብ ድነ ሞት ዝርከብ ብናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ትንሣኤ ክስነዩን ንዅሎም እቶም ዝሓለፉ ምሕረት እግዚኣብሔር ተማሕጺኖም ተምሳል ኡርቢ ኤት ኦርቢ ዓለም ሓቆፍ ጸሎት ብውሽጡ ዝሓቖፈ እቲ ቅዱስ ትሩፋት ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ክርስትና እምነት ብኵላውነት ዝገልጽ ቅዱስ ምልክታ መሠረት ብንባብ መዝሙረ ዳዊት ዝተሰነየ ጸሎት እንከቕርቡ፣ ኦ ጎይታ ምእንቲ እቶም ዝሓለፉ እነቕርቦ ጸሎትና ስማዕ ናይ ምሕረት ኣእዳውካ ዘርግሒካ ድማ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ እየሩሳሌም ናይ ሓጎስ ጉባኤ ተቐበሎም ቢሎም ከምዝጸለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.