2010-11-04 17:07:35

ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ርሊጳ በነዲክቶስ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትማሊ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሻዱሻይ ንምእመናን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብዚ ሒዝናዮ ዘለና መወዳእታ ሰሙን ቀዳመ ሰንበት አብ እስጳኛ አብ ሳንትያጎ ደ ኮፖስተላን አብ ባርሰሎናን ሐዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ክዝከር ከሎ ፡ ምእመናን አብዚ ዘካይዶዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብጸሎት ከሰንይዎም ሐቲቶም።

አብ እስፓኛ ሳንትያጎ ደኮምፖስተላእዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት 2010 ዓመተ ቅዱስ ያዕቆብ ሐዋርያ ከም ዝሰመየቶ ክፍለጥ ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዓመተ ቅዱስ ያዕቆብ መሠረት ብምግባር ምስ ምእመናን ሐቢሮም ከም ዝጽልዩ ተፈሊጡ አሎ።

ድሕሪ ሳንትያጎ ደ ኮፖስተላ ንከተማ ባርሰሎና ከም ዝጓዓዙን ነቲ አብታ ከተማ ዝርከብ ገዳመ ቅዱስ ስድራ ከም ዝባርኹን ተፈሊጡ አሎ ።

እዚ ቀዳመ ሰንብት አብ እስፓኛ አብ ሳንትያጎ ደ ኮፖስተላን ባርሰሎናን ዘካይዶ ሐዋርያዊ ዑደት ከም ምስክር ናይቲ ዝተስቅለን ዝሞተን ዝተንስኤን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይነ ኢየ ዝጓዓዝ ዘለኹ ብማለት ርሊጳ ነቲ አብ አዳራሽ ጳውሎስ ሳዱሻይ ተዝተአከበ ህዝበ ክርስትያን ገሊጾምሉ።

ቃለ እግዚአብሔር ብርሃን ሰላም ከም ዝኾነ ጠቂሶም ክአ አብ ምድራዊ ሕይወትና ቃሉ ብተስፋ ብሰላም ብኽብሪ ክነብር ይርድአና ኢሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝህብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም አብ መበል ዓሰርተ ሰለስተ ክፍለ ዘመን ትነብር ዝነበረት ማርገሪታ ዶይንግት ዘኪሮም ማርገሪታ ባህታዊትን አብ ገዳም ብጸሎትን አስተንትኖን ትነብር ዝነበረት ቅድስትን ሊቅን ከም ዝነበረት አዝኻኺሮም።

እዛ ሕይወታ ንእግዚአብሔር ዘወፈየት ቅድስቲ ወትሩ ስቃይን ፍቅርን ሕይወት ክርስቶስን ቅድስቲ ድንግል ማርያምን ወላዲተ አምላኽን ክነስተንትን ከም ትዕደመና ቅድስነቶም አዘኻኺሮም።

እዚ አስተንትኖ”ዚ ትርጉም ሕይወትና ከም ዘረድአና ሕይወትና ንአገልግሎት እግዚአብሔር ክነውሎ ፍቅርን ሐልዮትን ክርስቶስ ክነንጸባርቅ ከም ዝግባእ እዛ ብ1310 ዓመተ ምህረት ናቤት እግዚአብሄር ዝሐለፈት ቅድስቲ ከም ትምዕደና በነዲክቶስ መልኪትም።

ብርሃን ክርስቶስ አብ ሕልናና ክሰፍር ንጹሕ ህሊና ክህልወና ጽቡቅን ሕማቅን ፈላሊና ክንርኢ ከም ዝረድአና ክምዝንግዕ ከም ዘይብልና ክአ አተሐሳሲቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አተሐሒዞም አብ ጐደናታት ከተማታት ዓለም ጥራሕ አይኮነን ጐሐፍ ዘሎን ዝርኤን አብ ሕልናታትናን አብ ነፋሳትናን ክአ ጐሐፍ አሎ ዝበሉ ቅድነቶም ፡ እዚ ጐሐፍ”ዚ ብሐይሊን ብፍቅሪ ን ክርስቶስ ክጸሪ ከም ዝኽእልን ንጽሕና ከም ዝርከብን አገንዚቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳስት በነዲክቶስ ነታ አብ ሞንጎ ዓሰርተ ሰለስተን ዓሰርተ አርባዕተን ክፍለ ዘመናት ትነብር ዝነበረትቅድስቲ ፈረንሳዊት ማርገሪታ ጠቂሶም ቃለ እግዚአብሔር ፡ ሕይወት ፍቅርን ብርሃንን መድኅን ኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሕልናና ከነስርጽ ከም ዝግባእ አተሐሳሲቦም።

አተሐሒዞም ቅድስትን የዋህን መስተውዓሊትን ማርገሪታ ንክርስቶስ አብ ተስተንተነሉን ትሐስበሉን ጸሎት አብ ትደግመሉን ግዜ ምስሉ አብ ሕልንአ ይሰርጽ ከም ዝነበረ ተመልክት ከም ዝነበረት ጠቂሶም ፍጹምን ንጹሕን ሕይወት ከም ዘሕለፈት እዚ ንዓና ዓቢ ትምህርትን ሰናይ አብነትን ከም ዝኾነ አረዲኦም።

ቅድስቲ ሊቅን ማርገሪታ ብ1288 ገዳም ደነግል ፖለተንስ መስሪታ ክሳዕ ዝዓርፈትሉ ግዜ ብስራሕ መንፈስ ቅዱስ ተመሲጣ አብ ጸጋ እግዚአብሔር ዝተመርኮሰ ስሩዕ መንፈሳዊ ሕይወት ከም ዘሕለፈት ይምልከት ።








All the contents on this site are copyrighted ©.