2010-11-03 14:36:08

ኅብረ-ባህላዊ ኅብረተሰብ


ናይ’ዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን ኅብረተሰብ ኅብረ ባህላውነቱ እቲ ሓደ ዝገልጾ ወይ ድማ መለለይኡ ከምዝኾነ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዓለም ሓቆፍ ናይ ተራድኦ ማኅበርን ጨንፈር ሮማን ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ብሓባር ኣብ ዝውጽኦ ሰነድ ብምትንታን ብናይ RealAudioMP3 ረድኤት ማኅበራትን መንግሥትን ንስደተይና ዝቐርብ መስተንግዶን ዑቕባን ሕንጸትን እንታይ ከምዝመስል እውን ከምዝሓበረ ተገሊጹ።

ስደተይና የድልየና ኢዩ፣ እንተኾነ ግን ኣይንደልዮን ዝብል ቃል ብሓፈሻኡ ኩነታት ስደተይናታት ኣብ ኢጣሊያ እንታይ ከምዝመስል እቲ ብካሪታስን ሚግራንተስ ብሓባር ብዛዕባ ስደተይና ርእሰ ጉዳይ ዝቕረቦ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ክጠቓለል ከምዝኽእል ክንገር እንከሎ፣ ኣብ ኢጣልያ 5 ሚሊዮን ስደተይናታት ከምዘለዉን እዚ ድማ ብመንጽር ኤኮኖሚ ፖለቲካ ንኢጣሊያ ኩለ መዳያዊ ሃብትን እወታዊ ብልሓት ከምዝኾነ እቶም ብስደተይናታት ዝመሓደሩ 213 ሺሕ ትካላት ኣብነት ዘረጋገጾ ምዃኑ እቲ ሰነድ የመልክት።

ኣብ ናይ ኢጣሊያ ኤኮኖሚ ፖለቲካ፣ ማኅበራዊ ፖለቲካን ስደተይና ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ግልጺ እውን እንተኾነ ብዛዕባ እዚ ሓቂ’ዚ ብዙሕ ከምዘይብሃል ናይ ካሪታስን ሚግራንተስ ናይ ሓባር ሰነድ ብምምልካት፣ ጉልበት ሰብ፣ ንናይ ጡረተይና ኣበል ክፍሊት ናይ ሥራሕ ዕድል ኣብ ምፍጣር ዓቕሚ እውን ኣብ ኢጣሊያ ዝነብር ስደተይና ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎን ኣብ ናይ ኢጣሊያ ጠቕላላ ምጣኔ ሃብቲ ስደተይና 11% ዝሽፍን ክኸውን እንከሎ፣ ብገንዘብ ኃይሊ ክትመን 130 ሚሊያርድ ኤውሮ ከምዝኾነ ካብቲ ናይ መጽናዕቲ ሰነድ ክፍለጥ እንከሎ፣ እዚ ዅሉ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኢጣሊያ ዝነብር ስደተይና ካብቶም ኣዚዮም ዓንዲ ኅብረሰብ ተባሂሎም ካብ ዝዝርዘሩ ውሽጢ እቲ ሓደን ኣገዳሲ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ።

ናይ ሮማ ሓጋዚ ሊቀ ጳጳስን ናይ ክፍለ ሃገር ላዚዮ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ስደተይናታት ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጒሪኖ ዲ ቶራ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ንፍቶ ንጽላእ እንነብረሉ ዘሎና ኅብረሰብ ዓለማውነት ምትእሥሳር ዝኽተል ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ኤኮኖሚ መዳይ ዝግለጽ ጥራሕ ዘይኮነ፣ ድለዮ ኣይትድለዮ ወዲ ሰብ ካብ ቦታ ቦታ ብዝቐልጠፈን ብቐሊሉን ንኽንቐሳቐስ ዕድል ፈጢሩ ኢዩ፣ እዚ ድማ እቲ ብሥነ ኅብረተሰብ ዝግለጽ ዝነበረ ኣብነት ሓደኣዊ ሕብረተሰብ ሎሚ ተለዊጡ ኢዩ። እዚ ፍርሕን ዘይምትእምማንን ከስዕብ ዝኽእል ኢዩ፣ እንተኾነ ግን እቲ ኅልው ኩነታት ኅብረሰብ ኣብ ግምት ዘእትው ፖለቲካን ሕንጸትን ኣድላዪ ጥራሕ ዘይኮነ ናይ ግድን ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.