2010-11-02 16:15:43

ርሊጳ በነዲቶስ አብ ማእከላይ ምብራቅ ሰላም ክሰፍን ተማሕጺኖም ፡


ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ ቅድሚ ትማሊ ቅዱስ ዕለት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ምስ ምእመናን ሐቢሮም መልአከ እግዚአብሔር ጸሎት ከም ዝደገሙ ክዝከር ከሎ ፡ ነዚ ትማሊ ተኸቢሩ ዝውዓለ ዕለተ ኩሎም ቅዱሳን ዘኪሮም ፡ ቅድስና ህያብ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ አረዲኦም።

ቅድስና አብ ልብኻ ቅርጸ ክርስቶስ ምሕዳር ማለት ከም ዝኾነ ዘመልከቱ ቅድስነቶም

መወዳእታ ዓላማ ሕይወት ክርስትያን ቅድስና ከም ዝኾነ አመልኪቶም።

ብእግዚአብሔር ዝተሐርየን ዝተፈትወን ህዝቢ መጀመርታኡን መወዳእትኡን ፈጣሪ ኩሉ ዓለም ከም ዝኾነ ክግንዘብ ከም ዝግባእ ክአ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አገንዚቦም።

ምድራዊ ሕይወት ወዲ ሰብ ውሱን ከም ዝኾነን አብዚ ምድሪ፡ዚ አብ ዝነብረሉ ግዜ ቀትታዊ ርክቡ ምስቲ ብአምሳሉ ዝፈጠሮ ክኸውን ከም ዘድልን ክአ ገሊጾም።

እምብአርከስ ኢሎም ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሕይወት ቅዱሳን አብ ታሪኽ ሕይወቶም ተሐጺሩ ዝተርፍ ዘይኮነስ ድሕሪ ዕረፍቶም አብ ቤተ እግዝአብሔር ዘለዎም ጊደ ከም ዝኾነ አገንዚቦም።

አብ ምድራዊ ሕይወት ብጠንቂ እምነትና ንእንቅበሎ ምስዳድ ፍትሒ አልቦነት ጸጋ እግዚአብሄር ከም ንቅበል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ክአ አዘኻኺሮም ።

ቅድስነቶም አተሐሒዞም ፡ ብዛዕባ”ዚ ሎሚ ክልተ ሕዳር ቤተክርስትያን ዘኪራቶ ትውዕል ዕለተ ምዉታት ዘኪሮም ክአ ሞት ካብ ኩሉ ተፈቅሮም ነገራት ዝፈልየካ ከም ዝኾነን ከም ዘሕዝንን ጠቂሶም ፡ ይኹን ድአምበር ክርስትያናዊ ሞት አሰርን ተምሳልን መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኽተል ካብ ምድራዊ ሕይወት ናብ ዘለዓለማዊ ሕይወት እንጓዓዘሉ ከም ዝኾነ አብሪሆም።

ንሞት ዘይኮነ ንሐጢአት ክንፈርሕን ክንሐዝንን ከም ዝግብአና ጠቂሶም ክአ ትምህርተ ክርስትና ሞት ምስ ክርስቶስ ዘራኽብ ከም ዝኾነ የረድእ ኢሎም ስለዝኾነ ክአ አብዚ ምድሪ”ዚ አጋይሽ ሐለፍቲ ከም ዝኾና ክንዝንግዕ የብልናን ኢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ።

በነዲክቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብ መወዳእታ ክአ ንዝሞቱን ዘለዉን ዝፈጠረ እግዚአብሔር ሰላም ከውርድ ንጸሊ ንለምኖ ንማሕጸኖ ኢሎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዕለተ ቅዱሳንን ዕለተ ምዉታንን ብዝምልከት ሐጺር መተሐሳሰቢ ሂቦም ምስ ፈጸሙ ፡ ብዛዕባ”ቲ አብ ናይ ዒራቅ ርእሰ ከተማ ባቅዳድ ዝርከብ ሲሮ ካቶሊካዊ ቤተ ክርስትያን መጸናንዒት ቅድስቲ ድንግል ማርያም

ዝተፈጸመ ሁከትን ግጭትን ብጠንቂ”ዚ ዝተቀትሉን ዝቆሰሉን ሰባት ዘኪሮም ዝተሰምዖም ጥልቂ ሐዘን ገሊጾም።

ምስቲ አልቃዒዳ ዝጽዋዕ አሸባሪ ጉጅለ ዝተአሳሰሩ መእተውቲ ራዕዲ ነቲ አብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ዝከታተል ዝነበረ ህዝቢ ጅሆ ሒዞም አብ ዒራቅን አብ ምስርን ተአሲሮም ዘለዉ አባላት መእተዊ ራዕዲ አልቃዒዳ ነጻ ክወጹ ከም ዝሐተቱ ከም ክምልከት ከሎ ፡ ፓሊስ ዒራቅ ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ማሕበረ ክርስትያን ነጻ ክውጽኦም ነቲ ቤተ ክርስትያን አብ ዝወረረሉ ግዜ ብዝተኻየደ ግጭት 58 ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ 78 ከም ዝቆሰሉ ይፍለጥ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምእንቲ”ቶም አብ ቤተ እግዚአብሔር ብዘሕዝን አገባብ ዝተቀትሉ ከም ዝጽልዩ ጠቂሶም ንማሕበረ ሰብ ክርስትያን ዒራቅ ጽንዓት ክህቦም ተማሕጺኖም ምእመናን ዒራቅ ተስፋ ከይቆርጹ አብ እምነቶም ክጸንዑ ከም ዝጽልይሎም ጠቂሶም ነቲ ተግባር አውጊዞም።

አተሐሒዞም ሰላም ህያብ እግዝአብሔር ከም ዝኮነ አመልኪቶም መንግስቲ ዒራቅ ሃገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ ጽቡቅ ድላይን አብዚ ክሊ”ዚ ነባሪ ሰላም ክሰፍን ክጽዕሩ ተማሕጺኖምን ተላብዮምን ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፡ ካቶሊኪካዊት ቤተ ክርስትያንን ማሕበረ ሰብ ክርስትያንን ዒራቅ አብ መሪር ሐዘን ከም ዝርከቡ ክርስትያን ዒራቅ አብ ጥንታዊት ሀገሮም ዒራቅ ክነብሩ ዘለዎም ዕድል እናጐደለ ከም ዝመጸን ናይቲ ማሕበረ ሰብ ወኪላት ከም ዝገለጹ ይምልከት ።

ናይ መንግስቲ ዒራቅ መራሕ መንግስቲ ፕረሲደንት ኑሪ አልማሊቂ እዚ አብ ልዕሊ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብአሸባሪ ጉጅለ ዝተወስደ መጥቃዕቲ አብ ዒራቅ ዘሎ ህውከትን ዘይምርግጋእን ናይ ሐሶት ሐላፍነት አሸኪምካ ማሕብረ ክርስትያን ካብ ዒራቅ ከም ዝወጽእ ንምግባር ዝተአለመ እኩይ ተግባር ከም ዝኾነ አብ ባቅዳድ መግለጺ ከም ዝሀቡ ተፈሊጡ አሎ ።

አልቃዒዳ ክብሪ ሰብአዊ ሕይወት ዘይብሉ ንዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ዘየኽብር አስላም ኢና እናበለ ነስላም ዝቀትል እኩይ ከም ዝኾነ ናይ ርእሰ ከተማ ዒራቅ ከተማ ባቅዳድ አማሕደሪ ሳላሕ ዓብዱል ራጻቅ ነቲ 58 ሰባት ዝሞቱሉ ቤተክርስትያን ምስ በጽሑ

ድሕሪ ምልካዊ አምባገነናዊ መንግስቲ ሳዳም ሑሴን ሕደ ሚልዮን ክርስትያን ዒራቅ ካብ ሀገሮም ወጺኦም ከም ዝተሰደዱ ክምልከት ከሎ ፡ አብ ዒራቅ ናይ ካለዳዊት ካቶሊካዊት ዒራቅ ቤተ ክርስትያን ላዕላዋይ ሐላፊ ብጹዕ ካርዲናል ኤማኑኤል ሳልሳይ ደሊ እዚ ቅድሚ ትማሊ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ አዝዩ ከም ዘሕዘኖምን ዘሳቀዮምን ጠቂሶም እቶ ዝተረፉ አስታት ሐደ ሚልዮንን ፈረቃን ክጻወሩን ሀገሮም ገዲፎም ከይስደዱን ከም ዝተማሕጸኑን ተነጊሩ።

እቲ አብ ቤተክርስትያን ንምእመናን ጅሆ ሒዙ ዝነበረ ጉጅለ አኻራሪ አልቃዒዳ እቶም አብ ምስሪ ካይሮ አብ ማእሰርቲ ዝርከቡ አባላት አል ቃዒዳ ነጻ እንተዘይወጺኦም ንክርስትያን ዒራቅ ከጽንቶም መደብ ከምዘለዎን መግለጺ ከም ዘውጽኤ ተነጊሩ።

መንግስቲ ፈረንሳ ን150 ክርስትያን ዒራቅ ዑቅባ ከም ዝህብ ናይ ስደተኛታት ሚኒስተር ኤሪክ ቦሶን ከም ዘፍለጡ ለሞንድ ዕለታዊ ጋዜጣ አመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.