2010-10-30 15:09:34

፬ ዘጽጌ 2003 ዓ.ም. (ጥቅ 31 2010)


 መዝሙር፡ በጊዜሁ ኀለፈ ክረምት. . . . . . ።

ንባባት፡ 2ተሰ 1፡11~2፡2 ፤ 1ጴጥ 1፡21~ፍ፤ ግ.ሓ. 22፡1~6፤ ሉቃ 19፡1~10

ስብከት፡ “ አንተ ፈጠርከ ፀሐየ ወወርኀ፥ ወአንተ ገበርከ አድባረ ወምድረ ኩሎ፥ ክረምተ ወሓጋየ ዘአንተ ፈጠርከ”።

፬ ሰንበት ዘዘመነ ጽጌ ክረምቲ ሓሊፉ በረኸት ተዋሂቡ ዕምባባታት ፈረዩ . . ሰናይ ንዝገበረልና ነመስግኖ አናበለ በቲ ኹሉ ዝገበረ አምላኽ ክነመስግኖ ከም ዝግባእ ይሕብረና። ሎም ዘበን ብፍሉይ ወረ ዓድና ኩልና ክመ እንሰምዖ ህጢር ክራማት ስለ ዝነበረ ሓረስቶስ ፍረ ጻምኦም ረኺቦም ተምስገን አብ ምባል በጺሖም አለዉ። ንአምላኽ ክነመስግን ከሎና ንሕና እውን ብወገና ነቲ ዝተገብረልና አብ ከማና ዝአመሰሉ እሞ አብ ሓገዝና ንዝውዓሉ ክነውዕሎ ከም ዝግባእ ክንሓስብ ይግብአና። ሰብ አምላኽ ዝገበረሉ ክርኢ እንተ ደአ ኽኢሉ መገዲ ድኅነት ሒዙ ከም ዘሎ ምልክት እዩ።

ስብከት ንፀሓይ ንወርሒ ንስኻ ፈጠርካ ንአድባራትን ንኹሉ ምድሪ ንሳኻ ገበርካዮ ክረምትን ሓጋይን ንስኻ ፈጠርካዮ፥ እናበለ ኩሉ ካብ አምላኽ ከምዝኾነ ይገልጸልና። ሰብ ኩሉ ሰናይ ካብ አምላኽ ከምዝተዋህቦ ክሓስብ እንተ ኸአለ ካብኡ ርሑቕ አይኮነን። ነዚ ብዝያዳ እንርድኦ አብ ሕይወት ማርያም እንተ ረኣና እዩ።

ማርያም ውህበት አምላኽ ብዝያዳ ዝተረድኤት ስለ ዝኾነት አብ አገልግሎት አምላኽ ክተውዕል ሕይወታ ድሕር አይበለትን። አምላኽ ምትሕብባራ ክሓትት እንከሎ ሕራይ ከም ዝበልካዮ ይኹን እናበለት አምላኽ አብአ ድላዩ ክገብር አፍቂዳ፥ ንአና ክተድሕን እጃማ አበርኪታ። ኩሉ ጊዜ አምላኽ ዝበላ ክትገብር ፍቓደኛ ነራ። ሕይወትና አብ አገልግሎት አምላኽን አሕዋትናን ከነውዕሎ ከሎና ሰላም ዕግበት ይስምዓና። ንአምላኽ ክንረኽቦ እንተ ደለና ማርያም ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብላና። ኢየሱስ ሎሚ ካባና እንታይ ይደሊ ብግልናን ብሓባርን እንህቦ መልሲ ክህሉ ይግባእ። እንታይ ክገብር ትደልየኒ እስከ ንበሎ። መልስና አብ ሕልናና አቲና ክንህብ እንተ ኸአልና ሽዑ ዕግበት ክስምዓና ናይ ምስጋና መዝሙር ክንዝምር ኢና።

ማርያም ነቲ ብአምላኽ ዝቐረባ ሕቶ ምስ መለሰት አብ ምስጋና እያ አትያ “እዚ ኹሉ ካበይ መጽአኒ” እናበለት ኩሉ ዝተዋህባ ህያብ አምላኽ ገራ ርእያቶ። አምላኽ ነቲ ዝሃበካ ክተስተማቕር እንተ ከአልካ አብ ቅድስና ትነብር። ሰብ ዝጽግሞ ንአምላኽ ሓዲጉ አነ ከምዚ ገረ አነ ከምዚ ኽገብር እየ እናበል ተግባራቱ አብ ምትንታን ጥራሕ ዝአቶ ሎሚ ክምለስ ከም ዘልኦ ወንጌል ነንብብ።

ሉቃስ ወንጌላዊ አብ ናይ ሎሚ አምላኽ ክረኽበና ኩሉ ጊኤ ከምዝደሊ ይነግረና። ጎ.ኢ.ክ. ብእያሪኮ ክሓልፍ እንከሎ ደው ከምዘበልዎ ነንብብ። ምናልባት ደው እንተዘየብልዎ ምሓለፈ ነሩ። ብተመሳሳሊ አብ ሕይወትና አምላኽ ብዙሕ ጊዜ ብጥቓና ይሓልፍ እዩ። መዓልቲ መዓልቲ በዚ ወይ በቲ አባና ይመጽእ። ሎሚ አብ ሕይወተይ መጺኡ አሎ። እሞ አለልዮ ዘሎኹ? አበይን ከመይን ክረኽቦ እደሊ? አብ ከምይ ዝበለ ሰብ? አብ ከመይ ዝበለ ቦታ? አብ ከመይ ዝበለ ተመክሮ? ብሓቂ ክንረኽቦ እንደሊ እንተኾና አብ ዝኾነ እዋንን ቦታን ኩነታትን ክንረኽቦ ስንድዋት ክንከውን አሎና። ማርያም ብስራት ገብርኤል መልአኽ ክትቅበል ከላ ከም ዝመጽአ ትፈልጥ አይነበረትን ግን ስንድውቲ ነራ። አምላኽ ክመጸና ከሎ ዘንጊዕና ከይነሕልፎ ንጠንቀቕ። ሰብ እያሪኮ ኢየሱስ ብዝሑ ጊዜ ብዓዶም ሓሊፉ እዩ እንተኾነ ደው ከብልዎ አብ ገዛና እቶ ክብልዎ አይከአሉን፥ ንሕናኸ ሎሚ ንአምላኽ ጊዜ ሂብና ንነፍስና አብ ገዛይ አብ ሕልናይ እቶ ክንብል ፍቓድኛታትዶ ኢና። አብ ቅድመና ብብዙሕ መልክእ ይመላለስ አሎ።

አብ ወንጌል ዘከዎስ ዝተባህለ ሓላቓ መኽፈልቲ ቀረጽን ሃብታም ንኢየሱስ ክረክብ ከምዝደለ ነንብብ። እንተኾነ እዚ ሰብ ብዙሕ ጸገም ነርዎ። ሥርሑ መኽፈሊ ቀረጽ ስለ ዝነበረ እሞ ንባዕዳዊ መንግስቲ የገልግል ስለ ዝነበረ ብሕዝቡ ጽሉእ ነሩ። ብቑመት ሓጺር ነሩ ብቐሊል አብ መንጎ ብዙሓት ዝኽወል እዩ ነሩ። አብዚ ብሩህ ነገር እንርእዮ ዘኬዎስ ንኢየሱስ ክርኢ ከምዝደሊ እዩ። ስለምንታይ ክርኢ ከምዝደለ አይግለጽን ብአጋጠሚ ድዩ ወይስ ብመደብ አይንገርን ብዝኾነ ንኢየሱስ ክርኢ ከም ዝመጸ ነንብብ። ከምቲ ሓደ ሰብአይ ግራት ዝዓደገ እሞ አብአ ዓቢ ነገር ወርቂ ተደፊኑ ዝጸንሖ እዩ። ብማዕዶ ክርእዮ ዝሓሰበ ውረድ ምሳኻ አብ ገዛኻ ክውዕል እየ ዝብል ዘይተጸበዮ ዕድመ ተዋሂቡ።

ዘኬዎስ ሓጺር ሰብ እዩ ነሩ አብ መንጎ ሰባት ክኸውን እንከሎ ብሰንኪ ቁሞቱ ይጽገም ነሩ። ጸገሙ ስለ ዝፈልጥ ዝነበረ አቐዲሙ ከይዱ አብ ኦም ደይቡ ንኢየሱስ ክርኢ ተጸብዩ። ንሱ ብብዙሕ መንገዲ ሓጺር ነሩ ማለት፥ ሕብረተሰብ ብሥርሑ ይቕበሎ አይነበረን ቁመቱ ሓጺር ነሩ፥ ሕይወቱ አብ ግፍዒ ዓመጽ ዝበዝሖ መነባብሮ እዩ ዝነብር ነሩ። ጸገም ነርዎ።

ብዝኾነ ኩነታቱ ብዘየገድስ ሃብታምን ፍሉጥ ሰብ እንከሎ ብጽቡቕ ንኢየሱስ ክርእዮ አብ ኦም ደይቡ። አብዚ ብዕምቆት ክንርእዮ ዝሕግዘና ነገር አሎ ንሕና ብዙሕ ጊዜ ንኢየሱስ ክንርእዮ አይንኽእልን ብብዙሕ መንገዲ ንኽወል ብህዝቡ ተኸቢብና ክንርዮ አይንኽእልን ኢና። ንኢየሱስ ክንርኢ ካብ ህዝቢ ወጺእና አብ ፍልይ ዝበለ ቦታ ንበይንናና ክንደልዮ ንቅድስና ክንደልያ አሎና። አብ ገለ እዋን ክብረትና መንነትና ምስኡ ዘይከይድ ክኸውን ይኽእል። ቅዱስ ዝብል ቃል ካብ ግሪኽ ዝመጸ እዩ ትርጉሙ ኸአ “ሓደ ካብ ካልእ ፍሉይ ዝኾነ፥ ዝተፈለ ማለት እዩ። ቅዱሳት ክንከውን ፍልይ ዝበለ ቦታ ንብሕትና ንኢየሱስ እንረኽበሉ ንድለ።

ዘኬዎስ ንኢየሱስ ክርኢ እናጠመተ ከሎ ኢየሱስ ንላዕሊ ቋሕ አቢሉ ምስረአዮ ክንደይ ተሕጒሱ ይኸውን “ዘኬዎስ ቀልጢፍ ውረድ ሎሚ አብ ገዛኻ ምሳኻ ክአቱ እየ ምስ በሎ”? ክንደይ ሰናይ ዘረባ እዩ ዘኬዎስ ነዚ ክሰምዕ። ክንደይ ሰናይ እዩ ንአና ኢየሱስ ከምኡ ክብለና። አብ ኩሉ ቅዳሴ ክንሰምዕ ከሎና አብ እዋን ቍርባን ነዚ ዕድመ የቕርበልና። ከምኡ እውን አብ ካልእ እዋን አብ ሕይወትና ክአቱ ይደሊ እዩ። አብ ራእ 3፡20 “እንሆ አብ አፍደገ ደው ኢለ ማዕጾ ዃሕኳሕ አብል አሎኹ ሓደ እኳ ድምፀይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ ናብኡ ኸአቱ ምስኡ አብ መአዲ ክቕመጥ እየ። ንሱ እውን ምሳይ ክቕመጥ እዩ” ዝብል ነንብብ። ዘኬዎስ ብዘይ ሓደ ምድንጓይ ቀልጢፉ ይወርድ፥ እሞ ብተሓጓስ ንኢየሱስ አብ ገዝኡ ይቕበሎ። እቲ ህዝቢ ዝህቦ ትዕዝብቲ ካልእ እዩ ማለት አብ ቤት መጸብሓዊ ምእታዉ ቅቡል አይኮነን ስለዚ ዓቢ እንቅፋትን ዘሰንብድን እዩ “ አብ ሓደ ሕጢአተኛ ሰብ ጋሻ ኮይኑ አትዩ እናበሉተ ዓንቂፎም፥ ኢየሱስ ግን ካብ ኩሎም ሓጢአትኛ ዝኾነ አብ ኢያሪኮ ምስኡ ክውዕል ከይዱ።

እዚ ንመጃርያ ግዚኡ አይኮነን “ምስ ሓጢአተኛታትን መኽፈልቲ ቐረጽን ይበልዕ እናበሉ ይሓምይዎ ነሮም”። ንሶም ናይ ኢየሱስ አረአእያን እንታይነትን ይርድኦም አይነበረን። ንአኡ አብ ገዛ ጥዑያት ምኻድ አየድልዮን ነሩ ንሓኪም ሕሙማት እዮም ዝደልይዎ እምበር ጥዑያት አይኮኑን ዝደልይዎ (ማር 2፡17)። ንሱ ነቶም ካብ አምላኽ ርሖቖም ዘለዉ ክጽውዕ እዩ መጺኡ።

ዘኬዎስ አብ ቅድሚ ኢየሱስ ቀሪቡ ደው ኢሉ እዚ ኸአ ምልክት አብ ቅድሚ ጎይታ ምዃንን ምልክት ብጎይትኡ ምሉእ ተቐባልነት ከም ዘልኦን ኮይኑ ደው ይብል። አብ ቀዳሞት ክርስትያን ሓደ ካብ ሞት ዝተንስኤ ደው ይብል ስለዚ ደው ምባል ምልክት ትንሣኤ እዩ። ዘኬዎስ እምብአር ደው ኢሉ “ ጎይታይ እንሆ ፈረቓ ጥሪተይ ንድኻታት እህብ ገለ ዝዓመጽክዎ እንተሎ አርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” እናበለ ፍጹም ንስሓን ተሓድሶን ይገብር አብ ሕይወቱ፥ ኩሉ ሕይወቱ ክቕይር ኩሉ አካይዳኡ ክቕይር ቃል ይአቱ። ንሃብቱ ምስ ድኻታት ከም ዝሳተፍ ነቶም ዝዓመጾም ከአ ዕጽፊ ከም ዝኸፍል ቃል ይአቱ። ዘኬዎስ ወልእኳ ብዙሓት ይውቀስዎ እምበር ጥዑይ ሰብ እዩ ነሩ መኽፈል ቀረጽ ብምንባሩ ጥራሕ እዩ ዝጽላእ ዝነበረ። ንሕና እውን ንሰባት ውሽጦም ከይፈለጥና ቅዱሳት እንከለው ከም ሓጥአን ንቖጽሮም ከምኡ እውን ርጉማት ከለዉ ብግዳም ብእንርእዮ ጥዑያት ንብሎም እዚ ግጉይ ፍርዲ እዩ። እንተኾነ ኢየሱስ ኲኖ ግዳማዊ ኩነት ይፈልጥ ስለ ዝኾነ ነቲ ዝተነስሔ መኸፈል ቀረጽ የድንቖ። ንሕና ብዙሕ ጊዜ ብግዳማዊ ነገራትን ብግጉይ አተሓሳስባን ተመሪሕና ንሰባት ዘይናቶም ንህቦም፥ ገልእዋን አብ ዓለት ወገን ዓርከይ ዓርክኻ ዘንቢልና ንሓቂ ደፊና ብዑረት ሕልና ንምራሕ እሞ አብ ጸልማት ንነብር፥ ዓይንና ክርኢ ብምሉእ እምነት ደፊርና ናብ ክርስቶስ ንመለስ። ንግጉይ መገዲ ንሕደጎ ሽዑ ሓቂ ክንረኽባ ኢና።

ኢየሱስ አብ መጨርሽታ ከምዚ ኢሉ “ሎሚ ነዚ ቤት እዚ ድኅነት ኮነሉ፥ ከምይ ንስኻ እውን ወዲ አብርሃም ኢኻ”። ነዚ ኹሉ ዝረኸቦ ንኢየሱስ ብተሓጓስ አብ ቤቱ ስለ ዝተቐበለ እዩ፥ ንሕና እውን ነዚ ንጽውዕ አሎና። “ወዲ ሰብ ንዝጠፍኡ ከናድን ክድሕንን እዩ መጺኡ”። ጥፉአት ዝብሃሉ ኩሎም ኃጥአንን ዝተገለሉን እዮም። ንሕና ከም ክርስትያን መጠን ክንግደሰሎም ዝግብአና እዩ። ካብኩሉ ንሰባት ከይንፈርድ እሞ ብዘይ ገበርዎ ካብ ሕብረተሰብ ከይንግልሎም ክንጥንቀቕ ይግብአና።

አምላኽ ንሓደ ሰብ በታ ዘለዎ የናድዮ፥ ወላ ኃጢአተኛ ይኹን ከምቲ ኩነቱ አብኡ ክቐርብ እሞ ምስኡ ዕርቂ ክገብር ይደልዮ። ነፍስወከፍ ሰብ መን ምዃኑን እንታይ ከምዝመስል ብዘየገድስ ናቱ ክብርን መሰልን አልኦ ብመጠኑ ከአ ክኸብር አልኦ። ነዚ ክንገብር ገለ እዋን አብ ኦም ክንድይብ አሎና ምእንቲ ነቶም አብ ከባቢና ዘለዉ ርኢና ምእንቲ ክንክእል።

አብ መጽሓፍ ጥበበ ሰሎሞን ናይ አምላኽ ምሕረትን ሓልዮትን ክገልጽ እንከሎ ፡ “ንስኻ ዝኾነ ነገር ክትገብር እትኽእል ኃያል ኢኻ እንተኾነ ግዳ ንኹሉ ብዓይኒ ምሕረት ኢኻ እትጥምቶ ንኃጢአትና ሸለል ትብሎ እሞ ምእንቲ ክንንሳሕ ጊዜ ትህበና፥ ነቲ ዘሎ ኩሉ እትፈቱ ኢኻ ካብቲ ባዕልኻ ዝፈጠርካዮ ንሓደ እኳ አይትጸልእን ኢኻ እንተ ዘይትደልዮ ነርካ ብቕድምእውን አይምፈጠርካዮን ነርካ፥ ንስኻ እንተ ዘይትፈቅድ ኪህሉ ዝኽእል ነገር አይምሃለወን። ንስኻ እንተዘይትፈጥሮ ኪነብር ዝኽእል ሓደ ነገር እኳ አይምሃለወን። ኦ ጎይታ ኩሉ ናትካ ስለ ዝኾነ ኪነብር ዝፈቐድካሉ ንስኻ ኢኻ። ንስኻ ኽአ ሕይወት ንዘለዎ ኩሉ እተፍቅር አምላኽ ኢኻ” (ጥበበ ሰሎሞን 11፡22~26)። አምላኽ ኩሉ ጊዜ የፍቅረና ንሱ ዝጸልኦ የለን።

አብ ከባቢና ንዘለዉ ሰባት ከምቲ አምላኽ ፈጣሪኦም ዘፍቅሮም እንተ ረአናዮም አብ ቤትና ድኅነት ክመጽእ እዩ ከምኡ አብኦም። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ዝተነበት መልእኽቲ ናብ ሰብ ተሰሎንቄ ልክዕ ምስ ናይ ሎሚ ናይ ዘኬዎስ እትሰማማዕ እያ፥ ማለት አምላኽ አብ ሕይወትና ክመጽእ እንጽልዮ ትገልጸልና። “ነዚ ብምሕሳብ አምላኽና ንጽዋዔኡ ብቑዓት ምእንቲ ኽገብረኩም ብኃይሉ ኸአ ነቲ ሰናይ ቍርጺ ፍቓድን ናይ እምነትኩም ተግባርን ኵሉ ምእንቲ ኪፍጽመልኩም፥ ከየብኮርና ምእንታኻትኩም ንጽሊ አሎና። ከም መጠን ጸጋ አምላኽን ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን ስም ጎይታና ኢየሱስ አባኻትኹም ምእንቲ ኺኸብር ንስኻትኩም እውን አብኡ ምእንቲ ክትከብሩ ንጽሊ አሎና” (2ተሰ. 1፡11~12)።

አምላኽ አብኡ ክንምለስ አብ መንጎና ዘሎ ርክብ አብቲ አምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ከሎ ብአርአይኡን አምሳልን ተመስሩት ጉዕዞ ቅድስና ክንለብስ ዓይኒ ሕልናና ንኽፈት። ደጊም ዑረት ሕልናን ልብን ይአኽለና። ድሕነት ሓውናን ሓፍትናና ከስክፈና አልኦ። ንአምላኽ አፍደገና ከፊትና ንጸበዮ ሽኡ ንሱ ሎሚ ምሳኻ/ኺ ክውዕል መጺአ አሎኹ ክብለና እዩ። ከም ዘኬዎስ አብ ንስሓን ካሕሳ ኃጢአትና አቲና ዕርቂ ሰማይን ምድርን ንአውጅ።

መለልይና ደቂ ማርይም ምዃን ስለ ዝኾነ ንማርያም አብነትና ገርና ንሰማያዊ አቦና አብ ሕይወትና አብ ገዛና ሓዳርና አብ ሥራሕና እኮታስ አብ ኩል ክንእትዎ አሎና። ለበዋ አደና “ወደይ ዝበለኩም” ግበሩ እዩ። ለበዋ አደና አብ መአዲ ንስሓ ተመለሱ አብ ነድሕድኩም ብሓቂ ንበሩ ዓመጽ አይትፍታዉ ንሓቂ ሙቱ እዩ። መንግስተ ሰማይ ክአቱ ዘይደሊ የልን እንተኾነ ክንአቱ በታ ጸባብ መግዲ ክንአቱ ክንክእል አሎና። አብ ዓለምን ሥራሕ ዓለምን ውሕጢና እንከሎ መገዲ ሰማይ ከጸግመና እዩ። ስለዚ አብ ቅድሚ ማርያም ኮና መገዲ ድሕነት መገዲ ወድኺ ሓብርና ንበላ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.