2010-10-30 15:53:35

ካቶሊክን ሉተራንን ኣቢያተ ክርስትያን


ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ እቲ ኣብ መንጎ ኣብታ ሃገር ኣብ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ወንጌላዊት ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን መበል 11 ናይ ሓባር ዘተ እንታይነት ዘለዓለማዊ ሕይወት RealAudioMP3 እዚ ድማ “ሕይወት ብሞት ዝድምደም ኣይኮነን፣ እግዚኣብሔር ብኽርስቶስ ገይሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት ተስፋ ኣንቢሩ ኢዩ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ካብ ዕለት 13 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 17 ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም. ዋሽንግቶን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ መንበረ ጥበብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ከምእተኻየደ ተሓቢሩ።

ናይ ሚልዋኣኡኪ ሓጋዚ ሊቀ ጳጳስን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ኣሜሪካ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ መንጎት ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ዘተ ዝሓሊ ድርገት ዝሓቝፎ ምስ ወንጌላዊት ሉተራን ቤተ ክርስትያን ዝግበር ዘተ ዝከታትል ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሪቻርድ ጅሆን ስክልባ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ናይ ሓባር ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየዱን እዚ መበል 11 እውን ዝኽተሎ ታሪኻዊ ናይ ሓባር ዘተ ሥነ ኣገባብ፣ ነቲ ሓደኣዊ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ባህላዊ ውርሻ ብንጹር ኣፍልጦ ዝህብ ብምዃኑ፣ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ንቕድሚት ክስጉምን ፍሪያማ እውን ክኸውን ሓጊዚ ኢዩ ኢሎም።

ናይ ወንጌላዊት ሉተራን ቤተ ክርስትያን ኣብቲ ድርገት ናይ ሉተራን ቤተ ክርስትያን ኣባላት መራሒ ናይቲ ናይ ሓባር ድርገት ምኽትል ሊቀ መንበር ሎወል አልመን እቲ ካብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ወንጌላዊት ሉተራን ቤተ ክርስትያን ዝተበገሰ ናይ ሓባር ዘተ ካብ 2005 ዓ.ም. ኣብ ቲዮሎጊያዊ ርእሰ ጉዳያት ከተኵር ከምዝጀመረን ኣብ 1999 ዓ.ም. ኣብ ጀርመን ኣብ መንጎ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያንን ናይ ወንጌላዊት ሉተራን ፈደራላዊ ኅብረት ብዛዕባ ጽድቂ ብእምነት ኣብ ዝብል አንቀጸ ሃይማኖት ጉዳይ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ውሳኔ ቲዮሎጊያውን ታሪኻውን መልክዑ ከምዝጠቐሱ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትምሊ ሕትመቱ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ሕቡራት ኣሜሪካ ናይ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራን ቤተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ዘውጽኦ ናይ ሓባር ሰነድ ዕለት 15 ሕዳር 2010 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግሥታት ንዝርከቡ ንመላእ ካቶሊክ ቤተ ርክስትያን ምእመናን ክባጻሕ ምዃኑ ተሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.